ሶማልያዊት ናይ ፍቕሪ ፊልም ኣብ ውድድር ኣፍሪቃዊ ፌስቲቫል ተዓዊታ

Published

'ዘ ግሬቭዲገርስ ዋይፍ' [ሰበይቲ ናይቲ ኳዓቲ መቓብር] ብዝብል እትፍለጥ ሶማልያዊት ፊልም ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ኣፍሪቃ 'ፌስፓኮ' ናይ ፊልም ፌስቲቫል ተዓዋቲት ኮይና።

እታ ብፊንላንዳዊ ትውልደ ሶማሊያዊው ኣላዪ ፊልሚ ከድር ኣሕመድ ዝተሰርሐት ፊልሚ፡ ካብ መንጎ 16 ፊልምታት እያ ተዓዋቲት ኮይና ወጺኣ።

ፌስፓኮ ፍሉጥ ኣህጉራዊ ውድድር ፊልሚ ፈስቲቫል እዩ።

እቲ ሎሚ ዘበን ንመበል 27 ግዜ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዝተኻየደ ፌስቲቫል፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ዝተሰርሑ ፊልሚታት ጥራይ እዩ ዘወዳድር።

እታ ናይ ሎሚዘበን ተዓዋቲት ፊልሚ፡ ጉሌድ ኣብ ዝተብሃለ ኳዓቲ መቃብር እያ ተትኩር።

እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ሆስፒታል ኮይኑ ናይ ዝሞቱ ሰባት ኣስከሬን ምጽባይ ዋና ስርሑ ዝኾነ ጉሌድ፡ ናብ ስራሕቲ ኳዕቲ መቓብር ክኣቱ ዝተገደደ ዝሓመመት ሰበይቱ ንምሕካም ክብል እዩ።

ቀንዲ ዳኛ እቲ ውድድር ፊልም ፈስቲቫል ዝኾነ፡ ዓብደራሕማን ሲሳኮ፡ "ሰብ ማለት እንታይ ማለት ከምዝኾነ እትትርኽ ጽቡቕቲ ፊልም እያ" ክብል ኣድናቖቱ ገሊጹ።

ኣዳላዊ እታ ፊልሚ ኣሕመድ ብወገኑ ኣብ ኢንስታግራም ገጹ፡ "ሓጎሰይ ንምግላጽ ቃላት የብለይን። ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከምዚ ዓይነት ሽልማት ምርካበይ ኣዝየ እየ ዘመስግን" ኢሉ።

ኣብ ፊልምታት ሶማልያ ብዙሕ ብዘይተለምደ መልክዑ፡ ንውሕ ዝበለት ፊቸር ፊልም ኾይና፡ ኣብ ኦስካር ብሉጽ ዓለምለኸ ፊልምታት ኣብ ዝርዝር ንውድድር ዝቐረበት ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ስራሕ እያ።

እታ ኣብ ጅቡቲ ኮይና እትስራሕ ፊልም፡ ጉሌድ ዝተብሃለ ቀንዲ ገጸ ባህሪ ብሕማም ኩላሊት እትሳቐ ሰበይቱ ንምሕካም ክብል ዝኸፍሎ ዋጋን ላዕልን ታሕትን እያ እትትርኽ።

ጉሌድ ኮይኑ ዝዋሳእ ዖማር ዓብዲ ዝተብሃለ እንትኸውን፡ በዓልቲ ገዝኡ ናስራን ወኪላ እትሰርሕ ድማ ያስሚን ዋስሳሜ ትበሃል።

እቲ ኣላዪ'ታ ፊልሚ ምስ ጋዜጣ ጋርድያን ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ "ኣብቲ ፊልሚ ብክብርን ርህራሄን ንምስራሕ ፈቲነ እየ። እዚ ባህርታት ካብ ኣተዓባበያይ ሒዘዮ ዝመጻኹ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ሶማልያ ዝተወልደ ኣሕመድ ቆልዓ ኾይኑ እዩ ናብ ፊንላንድ ከይዱ።

ነታ ፊልሚ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመትታ'ኳ እንተጸሓፋ፡ ኣሰራርሓ ፊልም ክሳብ ዝመሃር ዓሰርተ ዓመት ከምዝወሰደሉ ገሊጹ።

'ጎልደን ስታሊየን ኦፍ የኔጋ' ዝተብሃለ ሽልማት ዘረኸበ እቲ ኣላዪ፡ ብተወሳኺ ድማ ናይ 36,000 ዶላር ሽልማት ተዋሂብዎ።

ካብ ኣሕመድ ቀጺላ፡ ናይ ብ ሩር ሽልማት ዝረኸበት 'ቴል ኦፍ ላቭ ኤንድ ዲዛየር' ዝተብሃለ ፊልም ዝሰርሐት ቱኒዝያዊት ኣላዪት ፊልሚ ለይላ ቦውዚድ ትበሃል።