ዋንጫ ዓለም በብ ክልተ ዓመት ክካየድ ዝቐረበ ሓሳብ ተቓውሞ ገጢምዎ

Published

ኮሚቴ ኦሊምፒክ፡ ዋንጫ ዓለም በብ ክልተ ዓመት ምክያዱ፡ ኣብ ካልኦት ዓውድታት ስፖርትን መዓርነት ስርዓተ ፆታን፡ ፀገም የስዕብ እዩ ክብል ተቓዊምዎ።

ዓለም-ለኸ ኮሚቴ ኦሊምፒክ (ኢይኦሲ)፡ ፊፋ፡ ናይ ደቂተባዕትዮ ዋንጫ ዓለም በብ ክልተ ዓመት ክካየድ ዝሓዞ ትልሚ፡ ንካልኦት ዓውድታት ስፖርትን መዓርነት ስርዓተ ፆታን ስግኣት ክኾን ከምዝኽእል ገሊፁ።

ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግርን ፀዋታታት ኦሊምፒክን በብ ክልተ ዓመት ምክያዶም፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዘ ክካየዱን ምድርራብ ክፈጥሩን ይኽእል’ዩ ኢሉ።

ውድድር ኦሊምፒክ ኩዕሶ እግሪ ደቂኣንስትዮ’ውን ዓብይ ቦታ ዝወሃቦ እዩ።

ዓለም-ለኸ ኮሚቴ ኦሊምፒክ (ኢይኦሲ) ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ምስ ካልኦት ውድድራት ዘጋጥም ምድርራብ “ብዝሓነት ስፖርትን ልምዓትን” የዳኽም ኢሉ።

ናይ ደቂተባዕትዮ ስፖርት ዝካየድ ምዃኑ’ውን፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ደቂኣንስትዮ “ዕንቅፋት” ዝፈጥር እዩ ኢሉ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳን 10 ሊጋት ደቂኣንስትዮ ኣውሮጳን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ እቶም ትልምታት “ብጣዕሚ ጎዳእቲ” ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ።

ዋንጫ ዓለም ደቂኣንስትዮ፡ ምስ ናይ ደቂተባዕትዮ ውድድር ኣብ ተመሳሳሊ እዋን’ዩ ዝካየድ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ድማ ናይ ደቂተባዕትዮ ሊጋት ብምባል፡ ፊፋ ንዘቕረቦ ሓሳብ ከምዝተቓወምዎ ኣረጋጊፆም።

ድሕንነት ተፃወትቲ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ኣካላት ስፖርት ዝተልዓሉ ስግኣታት ከምዝኣምነሎም ዝገለፀ ዓለም-ለኸ ኮሚቴ ኦሊምፒክ (ኢይኦሲ)፡ ዋንጫ ዓለም ምድግጋሙ “ኣብ ኣእምሮን ኣካልን ተፃወትቲ ከቢድ ፀቕጢ ይፈጥር” ኢሉ።

ላዕለዋይ ኣካል ኦሊምፒክ ምስ ተወከልቲ ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝግበር ፃውዒት ከምዝድግፍ ብምግላፅ፡ እዚ “ብግልፂ ከምዘይተኻየደ” ኣፍሊጡ።