ኤርትራ ንኻልኣይ እዋን ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይና ከተገልግል ተመሪጻ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓሙስ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ: ኤርትራ እትርከበን 18 ሃገራት ንዝቕጽል ሰለስተ ዓመታት ኣባላት ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይነን ከገልግላ መሪጹ።

ኤርትራ ነቲ ውጽኢት ብሓጎስ ከም እተቐበለቶ ብምሕባር: መሰላት ዜጋታታ ንምጽናዕ ከም እትሰርሕን ኣብ መዳያት ኣገልግሎት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻዊ ምሕርቲ ምዕባይ፣ ድኽነት ኣብ ምጉዳልን ትሕተ ቅርጺ ኣብ ምምዕባልን ዓብዪ ስጕሚ ከም ዘመዝገበት ገሊጻ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምውሓስ ልዑል ኣበርክቶ ትገብር ምህላዋ ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ኤርትራ እትርከበን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሳ ሃገራት ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ምምራጸን ነቲ ትካል ምድኻም ምዃኑ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክኸሱ ጸኒሖም ኣለው።

ዓለምለኻዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንካሜሩን፣ ኤርትራ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት "ንመምዘኒታት ትካል ሰብኣዊ መሰላት እቲ ትካል ዘየማልኣ" ሃገራት ካብ ምምራጽ ክቑጠባ ጸዊዑ ነይሩ።

ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ናብ ሃገሮም ምምላስን ዝርከብዎ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸመት እያ እትኽሰስ። መንገስቲ እታ ሃገር ግና ነቲ ክሲ ይነጽጎ።

ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ነቢል ስዒድ ንምምራጽ ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሃገሩ "ኣንጻር ንሰብኣዊ መሰላት ፖለቲካዊ መልክዕ ምትሓዝን ኣብ ልዕሊ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንዝግበር ናይ ምፍርራሕ ፖለቲካን ንዝግበር ቃልሲ ክትቅጽሎ እያ ኢሉ።

እታ እቲ ቤት ምኽሪ "መዕቈሪ ፖለቲካዊ ኣድልዎታት" እዩ ብምባል ኣብ 2018 ንርእሳ ካብቲ ትካል ኣግሊላ ዝነበረት ኣመሪካ'ውን 168 ድምጺ ብምርካብ ናብቲ ቤት ምኽሪ ዳግም ተመሊሳ ኣላ።

ኤርትራ 144 ድምጺ ብምርካብ እያ ንካልኣይ እብረ ሰለስተ ዓመት ተመሪጻ ዘላ።

እተን ተመሪጸን ዘለዋ 18 ሃገራት ካብ 1 ጥሪ 2022 ጀሚረን ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ዝለዓለ ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከገልግላ እየን።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት 47 ኣባል ሃገራት ዘለዎ ኮይኑ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝከታተል ዝለዓለ ኣካል እዩ።

ኤርትራ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ክትከውን ምምራጻ ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ ንካልኣይ ጊዚኣ እያ ትምረጽ ዘላ።