ብዕድመ ዝነኣሰት ትውልደ ኢትዮጵያዊት ሚልየነር ኣብ ውድድር ቤት ምኽሪ ኮሎራዶ

Published

ትውልደ ኢትዮጵያዊት ሃና ቦጋለ ኣብ ኣሜሪካ ኢንቨስትመንት ሪል ስቴት ዕውታት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ትጥቀስ ሚልየነር እያ።

እዛ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ፖለቲካ ዝተጸምበረት መንእሰይ ኣብ ኣሜሪካ: ግዝኣት ኮሎራዶ: ከተማ ኣውሮራ መንበር ቤት ምኽሪ ንምርካብ ትወዳደር ኣላ።

ጓል 28 ዓመት ሃና እታ ብዕድመ ዝነኣሰትን እንኮ ኢትዮጵያዊት ተወዳዳሪት ኮይና ብምቕራብ ጓስጓስ ምረጹኒ ኣብ ምክያድ ትርከብ። ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ገይሻ ነይራ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረብርሃን መዋሃሃዲ ምህርቲታት ሕርሻ [‘ኣግሮ ፕሮሰሲንግ’] ንምጥያሽ ፍቓድ ንምርካብ ድማ’ያ ዝገሸት።

ንኢትዮጵያውያንን ካልኦት ጸለምትን ንምውካል ኣብቲ መረጻ ክትወዳደር ከምዝወሰነት እትዛረብ ሃና: ኣብ ኣዲስ ኣበባ እያ ተወሊዳ። ቆልዓ 11 ዓመት ኮይና ድማ ምስ ኣዲኣን ኣሕዋታን ናብታ ስዋዚላንድ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ናይ ሎሚ ንግስነት ኢስዋቲኒ ከይዳ።

ተምሃሪት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስኮነት ድማ ናብታ ሎሚ ትነብረላ ዘላ ከተማ ኣውሮራ ከይዶም። ምኽንያት ምንቅስቓሶም ኣዲኣ ትነግድ ብምንባራ እዩ።

ኣብ ‘ኮሌጅ ኦፍ ዴንቨር ቢዝነስ ኣድሚንስትሬሽን’ ዝተባህለ ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣባል ቦርድ ምምኻር ኮይና: ኣብ ሲቪክ ካውንስል ኢትዮ-ኣመሪካውያን ድማ ሓላፊት ፋይናንስ ብምዃን ተገልግል። እቲ ካውንስል ኣብ ጉዳያት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ይሰርሕ፤ ንኢትዮጵያውያን መናእሰይ ኣውፈርቲ ይድግፍን ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩ ይጉስጉስን።

ውክልና ኢትዮጵያውያንን ካልኦት ስደተኛታትን

ኣብ እትነብረሉ ግዝኣት ኮሎራዶ ዘሎ ቤት ምኽሪ መንበር ምርካብ ማለት ድምጺ ኢትዮጵያውያን ንኽስማዕ ዕድል ዝርከበሉ መገዲ ከምዝኾነ ትኣምን።

ኣብታ ግዝኣት ተወለድቲ ካልኦት ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት’ውን እንተሃለዉ’ኳ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዘለዎም ውክልና ግን ዝተሓተ’ዩ።

“23 ጥቅምቲ [2014 ኣ.ግ] ኣብ ዝካየድ መረጻ ካብ ሞንጎ ዝሳተፉ ሰባት ዋላ ሓደ ኣፍሪቃዊ መቦቆል ዘለዎ ሰብ የለን። ስደተኛታት እውን የለዉን” ክትብል ነቲ ዘሎ ክፍተት ተረድእ።

‘ንቤት ምኽሪ እንተተወዳዲረ ድምጺ ክትህቡኒ ዲኹም?’ እናበለት ገዛ ንገዛ ብምኻድ ድማ ፊርማ ኣተኣኻኸበት። እኹል ፊርማ ስለዘተኣኻኸበት ከኣ ናብቲ ውድድር ተጽምቢራ።

ብዕድመ ዝነኣሰት ሕጽይቲ ኮይና ምቕራባ ንብዙሓት ዘገረመ ኮይኑ’ሎ። ንዝኾነ ውድብ ፖለቲካ ከይወከለት ብውልቃ እትወዳደር ሃና ንጎስጓስ ምረጹኒ ዘድልይ ወጻእታት ባዕላ ክትሽፍኖ ወሲና’ላ።

ዛጊድ 50 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ከምዝገበረት እያ ትዛረብ። ድምጺ ክሳብ ዝወሃበሉ መዓልቲ ድማ ተወሳኺ 50 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ይጽበያ ኣሎ።

ሸቶኣ ለውጢ ምምጻእን ጽዕንቶ ምፍጣርን ከምዝኾነ እትገልጽ ሃና በዚ ምኽንያት ከኣ ብውልቃ ንምውድዳርን ወጻእታታት ባዕላ ክትሽፍንን ከምዝወሰነት ትገልጽ።

ነቲ ቤት ምኽሪ ዝምረጹ ሰባት 12 እዮም። ኣብ ከተማ ኣውሮራ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከምዝነብሩ ብምሕባር እቲ ውጽኢት ዝውስን ድምጺ ኣብ ኢድ እዚ ማሕበረሰብ ከምዝኾነ ተረድእ።

“ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዘለና ሓሳብ ክድመጽ ኣለዎ። ወሰንቲ ኣብ ዝባሃሉ ጉዳያት ድምጺ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ቅድሚት ኣብ ዝርከብ መንበር ኮፍ ክንብል ድልየተይ እዩ” ትብል ሃና።

“ብዙሕ ጊዜ ንግዲ ፈቲነ ከሲረ እየ”

ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ናይ ስነ-ህይወት መምህራ ተወሳኺ ገንዘብ ንምርካብ ብዝነበሮ ድልየት ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ሓደ መደበር ተቖጺሩ ክሰርሕ ዝረኣየትሉ ኣጋጣሚ ፈጺማ ኣይትርስዖን።

እቲ ኣጋጣሚ ድማ ናብ ንግዲ ንኽተማዕዱ ጽዕንቶ ኣሕዲሩላ። ዝሓሸ ህይወት ንኽህልዋ ብምሕሳብ ድማ ሃሰስ ምባል ጀሚራ።

ከምዚ ሎሚ ሚልየነር ንምዃን ከይበቐዐት ከላ ‘ባሬስታ’ ኮይና ሰሪሓ ነይራ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ተቖጺራ ሰሪሓ። ዝኣኻኸበተን ገንዘብ ሒዛ ናብ ናይ መጓዓዝያ ስራሕ ኣትያ፤ ግን ክሰምረላ ኣይከኣለን።

“ነቲ እዋን ክዝክሮ ኣይደልን። ዝጀመርክዎ ናይ ትራንስፖርት ቢዝነስ ሰለስተ ጊዜ ፈቲነዮ ዝወደቐ እዩ። ኣብ 20 ዓመትኪ ዝኣከብክዮ 20 ሸሕ ዶላር ክትስእኒ ሕሰብዮስኪ. . . “ ክትብል ነቲ በዳሂ እዋን ትዝክሮ።

ብድሕሪኡ’ውን ብዙሕ ጊዜ ንግዲ ፈቲና ክሳራታት ዘጋጠማ ሃና “ብዙሕ ጊዜ ዝወደቕኩ ሰብ እየ” ትብል።

“ኣደይ ነጋዲት እያ ነይራ። ናብ ኣሜሪካ ምስመጻእና ግን ካልእ ስራሕ ሒዛ። ነዓና ክተዕብይ ሰለስተ ዝተፈላለየ ስራሕ ትሰርሕ ነይራ። ብዙሕ ጊዜ ክወድቕ ከለኹ መሊሰ ንኽለዓል ሓይሊ ዝኾነኒ ኣደይ ጥሮታ ንኽትወጽእ ዝነበረኒ ድልየት እዩ። ነዚ ድማ ኣዕዊተዮ እየ” ክትብል ትዛረብ።

“ሃገር ሰላም ኣብ ዝህሉ እያ እትምዕብል”

ሃና ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽኣትሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ዑደት ኣካይዳ ነይራ። ሰራሕተኛታት ዝኽፈሎም መሃያ ድማ ኣዝዩ ዝተሓተ ኮይኑ ከምዝረኸበቶ ትዛረብ።

“ኣብቶም ፓርክታት ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ዝኽፈሎም መሃያ ኣዝዩ ዝተሓተ [80 ሳንቲም ዶላር ኣሜሪካ ንመዓልቲ] ምዃኑ ምስርኣኹ ሓዚነ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዘሎ ክፍሊት ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ” ብምባል ትዕዝብታ ተካፍል።

ቁጠባ ኢትዮጵያ ናብቲ ክበጽሖ ዝኽእል ገና ከምዘይበጽሐ እትዛረብ ሃና እዚ ክስተኻኸል ዝኽእል ፖለቲካዊ ጸገማት ምስተፈትሑ ከምዝኾነ ዘለዋ እምነት ትገልጽ።

“ሃገር ምዕባይ ዝከኣል ሰላም እንተሰፊኑ እዩ” ትብል።

ሰለስተ ቀንዲ መርገጽታት ሃና

ሃና ንኣባልነት ቤት ምኽሪ ክትወዳደር ከላ ዝሓዘቶም ዓበይቲ ጉዳያት ክትገልጽ ከላ: እቶም ሰለስተ ቀንዲ ነጥብታት ከምዝኾኑ ትዛረብ።

መንበሪ ገዛ ብተመጣጣኒ ዋጋ ምቕራብ፣ ኣብ ደቀቕትን ነኣሽቱን ትካላት ንግዲ ዝወፈሩ ሰባት ካብ ፌደራል መንግስቲ ዝምደበሎም ባጀት ብግቡእ ክረኽቡ ምግባር ከምኡ ድማ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ውሕስና ኣብ ዝብሉ ሰለስተ መሰረታውያን ነጥብታት ኣድሂባ ከምእትሰርሕ ትሕብር።

ብፍላይ ኣብቲ ሳልሳይ ነጥቢ: ፖሊስ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ሓይሊ ከይጥቀም ንምክልኻል ከምዝዓለመ እትሕብር ሃና: ኣብ መስርሕ ምቑጻር ኣባላት ፖሊስ፣ ዝወሃቦም ስልጠናን ንሰባት ዝሕዙሉ ኣገባብን ቁጽጽር ክካየድ ከምዘለዎ ትኣምን።

ብተወሳኺ ድማ ሓደ ማሕበረሰብ ነቲ ካልእ ክፋል ማሕበረሰብ ከም “ሓደገኛ” ዝቐጽረሉ ግጉይ ኣመለኻኽታ ክተርፍ ናይ ምግባር ሕልሚ ኣለዋ።