ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኲናት ትግራይ ብዝዛመድ ካልኣይቲ ሓላፊት ኣደስኪሉ

ምንጪ ስእሊ, UNFPA Ghana
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኲናት ትግራይ ብዝዛመድ ምስ ክብርታት እቲ ውድብ ዝጻረር ርእይቶ ሂባ ዝበላ ካልኣይቲ ሓላፊቱ ካብ ኢትዮጵያ ጸዊዑ።
ሓላፊት 'ፖፒዩሌሽን ፈንድ' ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዴኒኣ ጌይል፡ ከምዘተጸወዐት ዓለምለኸ ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ትማሊ ምሸት ጸብጺቡ።
ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ብዝሃበቶ ክብርታት'ቲ ውድብ ዘይገልጽ ዘይገልጽ ምዃኑ ዝተሓበረ ርእይቶ ምክንያት፡ ብኣስገዳድ ዕረፍቲ ካብ ስርሓ ተኣልያ ክትጸንሕ እቲ ትካል ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
እዘን ሓለፍቲ ፖፒዩሌሽን ፈንድን አይኦኤምን፡ 'ንሓይልታት ትግራይ ይርህርሁ እዮም' ብዝበለኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕሽሽ ከምዝተብሃላ ምዝራበን ኤኤፍፒ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
ክልቲአን ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ፌገዴራል ኣብ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ደጊፉ ብዙሕ ርእይቶታት ንዝጽሕፍ፡ ጄፍ ፒርስ ዝተብሃለ ውልቀሰብ፡ ብምስጢር ነዊሕ ቃለ መሐትት ሂበን እየን።
ኣቺየንግ፡ ኣብቲ ኣካዪዳቶ ዝተባህለ ቃለመሕትት፡ ምስ ህወሓት ምድንጋጽ ኣለዎም ዝብሃሉ ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ኣግሊለሞም ኢላ ክትዛረብ ይስማዕ።
ንሳ፡ ኣብቲ ቃለ መሐትት ንህወሓት "ረሳሕ" ን "ጨካን"ን ዝብሉ ቃላት ክትገልጾም ትስማዕ።
ሓላፊት ፖፒዩሌሽን ፈንድ ጌይል ድማ፡ ነቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኣተሓባበርቲ ስራሕቲ ሰብኣዊ ረድኤት ነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሓለፍቲ እቲ ውድብ ብምዝላል ምስ ዋና ቤት ጽሕፈት ይራኸቡ ኢላ ትከስስ።
እዚ ኣብ ውሽጢ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርድዳእ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ ተባሂሉ።
እተን ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናብ ዋና ቤት ጽህፈት ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦ ናብ ከተማ ኒውዮርክ ምጽወዐን ነቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዝገደደ ከየተኣጓጉሎ ድማ ይስጋእ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣይኦኤም ዝተወስደ ስጉምቲ ሕጉስ ከምዘይኮነ፡ ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ተዛሪባ ነይራ።
ቢልለኔ፡ "ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት ወጊኑ ትካላዊ ኣድልዎ ምፍጻሙ ብግልጺ ስለዝተዛረበት ኣብ ልዕሊኣ ዝወተወስደ ምምሕዳራዊ ኣስገዳድ ዕረፍቲ ዝርብሽ እዩ" ክትብል ኣብ ትዊተር ኣስፊራ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኢዶም ኣእትዮም ብዝብል ክሲ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝኣዘዘ ይዝከር።
እንተኾነ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ ሓለፍቲ እቲ ውድብ ክተባርር ስልጣን ከምዘይብላን ብቕልጡፍ ናብ ስረሖም ክምለሱ ክትፈቅድን ምግላጹ ይዝከር።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
