ኮሮናቫይረስ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 10.3 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ሓቲቱ

ኣብ ሆስፒታል ሰንዓ እኹል ሕክምናዊ ረድኤት ዘይረኸበ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ የመን፡ ርብዒ እቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተባህሉ ሰባት ሞይቶም
Published

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንሓገዝ ዝውዕል 10.3 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ክተኣኻኸብ ጸዊዑ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት'ውን፡ ክልተ ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ክእከብ ሓቲቱ ነይሩ'ዩ።

እቲ ዓለማዊ ትካል ከም ዝብሎ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣስታት 265 ሚልዮን ሰባት ዓጸቦ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ብሓገዝ ዝርከብ ገንዘብ ድማ፡ ትሑት እቶት ንዘለወን ከምኡ'ውን ንተነቀፍቲ ሃገራት ከም ዝውዕል ሓቢሩ።

እዚ ክንገብር እንተዘይክኢልና ግን፡ ንዓሰርታት ዓመታት ዝመጽአ ዕብየት "ናብ ድሕሪት ክምለስ ይኽእል'ዩ" ብምባል ኣጠንቂቑ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብፍላይ ኣብተን ኣዐርየን ድኻታት ዝኾና ሃገራት ከቢድ ጸቕጢ የሕድር ከም ዘሎ ይግለጽ።

ሃፋትም ሃገራት ብልክዕ እቲ ቑጠብአን ንምድሓን ዝገብረኦ ዘለዋ ምርብራብ፡ ንድኻታት ሃገራት'ውን ክገብርኦ ይግባእ ብምባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ።

እንተዘይኾይኑ ግን፡ ዓለም ከቢድ ቅልውላው ከም ዝገጥማ ብምግላጽ "ሚሊዮናት ንጥምየት ክቃልዑ'ዮም" ክብል ኣጠንቂቑ።

ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ብምኽንያት ዕጽዋ ናብ ስድርኦም ገንዘብ ክልእኹ ኣይክኣሉን፣ ንህጻናት ዝወሃቡ ክታበታት ተኣጓጒሎም'ዮም ዘለው፣ ብዙሓት ሃገራት ድማ ኣብ ክሊ እቲ ለበዳ ንዓመታት ዝዘለቐ ኲናትን ምምዝባልን ይርኣየን ኣሎ ኢሉ።

ኣብ የመን ጥራሕ፡ ርብዒ እቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ክሞቱ ከለው፡ እዚ ካብ ዓለም ሓሙሽተ ዕጽፊ እዩ።

ኦክስፋም፣ ክርስቲያን ኤይድ፣ ኢስላሚክ ረሊፍን ቀይህ መስቀል ብሪጣኒያንን ንጻውዒት ምትእኽካብ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐቢሎም፡ ህዝቢ ብሪጣኒያ ሓገዝ ንክገብር ከተሓባብሩ'ዮም።

ኣብ ዓለም 13.8 ሚሊዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ ቑጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 600 ሽሕ ይጽጋዕ ኣሎ።

ኮሮና
ኮሮና