ኬንያ ነቲ ኣብ ማያት ሰላማዊ ውቅያኖስ ምስ ሶማልያ ዘሰሓሕባ ዘሎ ከባቢ ብዝምልከት ንዝወሃብ ብይን ከም ዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ

Published

ኬንያ ነቲ ምስ ሶማልያ ዝጸንሓ ምስሕሓብ ማያዊ ዶብ ብዝምልከት ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ክወሃብ ትጽቢት ዝግበረሉ ብይን ከም ዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብይን “መዛዘሚ ናይቲ መስመሩ ዝሰሓተ መስርሕ ፍርዲ” ምዃኑ ብምግላጽ ኣድልዎ ዘለዎ ምዃኑ ከሲሱ።

ኬንያ ኣብ ምጅማር ናይዚ ዓመት ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ፍትሓውነት ከም ዘየሎ ብምግላጽ ካብቲ መስርሕ ኣንሳሒባ እያ።

ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ 160 ሽሕ ትርብዒት ሜትር ስፍሓት ዘለዎ ማያዊ ግዝኣት ክሰሓሓባ ጸኒሐን ኣለዋ።

እቲ ከባቢ ብነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ሃብታም ምዃኑ ይግመት።

ብሰንኪ እቲ ጉዳይ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ተሸሚመን እየን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ናብቲ ቤትፍርዲ ኣንጻር ኬንያ ጥርዓን ምቕራብ፡ እቲ ቤትፍርዲ’ውን ዘይምልከቶ ጉዳይ ምርኣዩ፡ ንመሬታዊ ሓድነት ንምንእኣስ ዝተገብረ ናይ ይምሰል መስርሕ ፍርዲ ዘመልክት’ዩ”

ሶማልያ እቲ ማያዊ ዶባት ንኣንፈት እቲ መሬታዊ ዶባት ስዒቡ ትኽ ኢሉ ከም ዝቕጽል ብምግላጽ ነቲ ጉዳይ ኣብ 2014 እያ ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ወሲዳቶ። ኬንያ ግና እቲ ማያዊ ዶብ፡ ካብቲ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ገምገም እቲ ውቅያኖስ ካብ ዝራኸበሉ ተበጊሱ ጋድም ሕንጻጽ ኮይኑ ከም ዝቕጽል እያ ትምጉት።

ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ 12 ጥቅምቲ ብይን ክህብ ትጽቢት ይግበር።