በርሊን ማራቶን፡ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብቲ ሰንበት ዝኻየድ ውድድር ማራቶን ክሳተፍ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, POOL
ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኣብ በርሊን ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶም ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ በርሊን ማራቶን ዝፈጸምኩዎ ጌጋ ኣይደግምን ኢሉ።
እቲ ኣትሌት ብ2019 ዓ.ም ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ክብረ ወሰን ዓለም ንምምሕያሽ ክልተ ካልኢታት ምስ ተረፎ ኣብቲ ውድድር ከም ዝተዓወተ ይዝከር።
"ቅድሚ እቲ ውድድር ነቲ ክብረወሰን ንምምሕያሽ ኣይተዳለኹን ነይረ፤ እንተዝዳሎ ነይረ ነቲ ክብረወሰን ምሰበርክዎ ነይረ" ክብል ኣብ ኢንስተግራም ኣብ ዝፈነዎ ቪድዮ ተዛሪቡ።
ቀነኒሳ ኣብቲ ናይ 2019 ውድድር ማራቶን ክልተ ካልኢት ጥራይ ተሪፈንኦ እናሃለዋ ነቲ ክብረወሰን ዘይምምሕያሹ "ወትሩ'ዩ ዘሰንብደኒ" ክብል እንከሎ ኣብዚ ሰንበት ዝካየድ ውድድር ብኬንያዊ ኣትሌት ሌሊዩድ ኪፕቾጌ ዝተታሕዘ ክብረወሰን ንምምሕያሽ መደብ ኣለኒ ኢሉ።

ቀነኒሳ ኣብ ዘካየዶም ውድድራት
- ሰለስተ ወርቂ ሜዳሊያ ኦሎምፒክ
- ሓደ ሜዳሊያ ብሩር ኦሎምፒክ
- ሓሙሽተ ሜዳሊያ ወርቂ ሻምፒዮና ዓለም
- ሓደ ሜዳሊያ ነሓስ ሻምፒዮና ዓለም

ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ካብ ዝመርጾም ውድድራት ሓደ በርሊን ማራቶን ከም ዝኾነ ይገልጽ።
"ብዙሕ ሰብ ዝሳተፈሉ'ዩ፤ ጽቡቕ ኩነታት ኣየር'ውን ኣለዎ። እቲ ከተማ ጽሩይ ስለ ዝኾነ ይፈትዎ'የ" ኢሉ።
ኣብ ከተማታት በርሊን፣ ለንደን፣ ቦስተንን ኒውዮርክን ዓብዩ ትጽቢት ዝወሃቦም ውድድራት ማራቶን ይዳለው'ዮም።
በርሊን ማራቶን ድማ ብዝተፈለየ መልክዑ ብዙሕ ግዜ ክብረወሰናት ዝመሓየሸሉ መድረኽ'ዩ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ውድድር ዘይሳተፍ ኤሊዩድ ኪፕቾጌ ኣብ 2018 ኣብ ዝነበረ ውድድር ብ2፡01፡39 እቲ ናይ ዓለም ክብረወሰን ክሕዝ ክኢሉ።
ቀነኒሳ ድማ ኣብቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ውድድር ብ2፡01፡41 እዩ ወድድሩ ዛዚሙ።

ኣብ በርሊን ማራቶን ዝተመሓየሹ ክብረ ወሰናት
- ብ2003 ኬንያዊ ፖል ቴርጋት -2:04:55
- ብ2007 ኢትዮጵያዊ ሃይለ ገብረስላሴ - 2:04:26
- ብ2008 ኢትዮጵያዊ ሃይለ ገብረስላሴ - 2:03:59
- ብ2011 ኬንያዊ ፓርትሪክ ማካኡ - 2:03:38
- ብ2013 ኬንያዊ ዊልሰን ኪፕሳንጋ - 2፡03፡23
- ብ2014 ኬንያዊ ዴኒስ ኪሜቶ - 2፡02፡57
- ብ2018 ኬንያዊ ኢሉዩድ ኪፕቼጌ - 2፡01፡39

ኣብዚ ውድድር ትጽቢት ዝግበረሎም ካልኦት ኣትሌታት
ካብ ኣትሌት ቀነኒሳ ብተወሳኺ ብዙሓት ትጽቢት ዝግበረሎም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክሳተፉ'ዮም'።
ኣብ 2017 ካልኣይ ዝወጽአ ጉዬ ኣዶላ፣ ወዲ 22 ዓመት ኦሊቃ ኣዱኛ ኣብዚ ወድድር ክሳተፉ ትጽቢት ይግበረሎም።
ኦሊቃ ብ2020 ኣብ ዱባይ ማራቶን ተዓዊቱ ነይሩ።
ኣብ 2021 ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሌክ ቢዋ ማራቶን ዝተዓወተ ጃፓናዊ ሂዴካዙ ሂጂካታ'ውን ካልእ ትጽቢት ዝግበረሉ ተወዳዳሪ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ሰንበት ንጉሆ ክካየድ'ዩ።
ብናይ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያዊት ህይወት ገብረኪዳን፣ ሻምፒዮና ኮፐንሃገንን ሊዝበንን 2015 ኬንያዊት ፒዩሪቲ ሪኦኖሪፓ ካልኦት ትጽቢት ዝተገብረለን ተወዳደርቲ'የን።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
