ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሕሙማት ኮቪድ ዝሕከምሉ ኤካ ኮተቤ ይመልእ ኣሎ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, AMANUEL SILESH
ኣብ ኢትዮጵያ ሕሙማት ኮቪድ-19 ተቐቢሉ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ዘሎ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ብተሓከምቲ ይመልእ ከም ዘሎ ኣካያዲ ስራሕ ዶክተር ያሬድ ኣግደው ተዛሪቡ።
ብተመሳሳሊ ብቕድሚ ትማሊ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ቑጽሪ ብጽኑዕ ዝሓሙን ዝሞቱን ሰባት ሓፍ ኢሉ ክትብል ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ተዛሪባ።
ኣብ ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት መዓልታዊ ምስቲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 40 ሰባት ሞይቶም ኣለው።
ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ዶክተር ያሩድ እቲ ለበዳ ናብታ ሃገር ኣትዩ ካብ ዝብሃል ጀሚሩ እቲ ሆስፒታል ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ ሕክምና ክህብ ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ሕሙማት ናብቲ ሆስፒታል ይመጽኡ ኣለው ኢሉ።
"ንዝሓለፈ ሓደ ወርሕን ክልተ ሰሙን እቲ ናይ ጽኑዕ ሕክምና ክፍሊ መሊኡ እዩ፤ ዝተረፉ'ውን ይመልኡ ኣለው" ይብል።
ክሳብ ሕጂ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣገልግሎት ከም ዝረኸቡ ዝገልጽ ዶክተር ያሬድ፡ ሕጂ ኣስታት 200 ሕሙማት ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ምህላው ሓቢሩ።
እቲ ዴልታ ዝተባህለ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ክውስኽ ምኽንያት ከም ዝኾነ ድማ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ቀረባ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተወ ዝተገልጸ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ዴልታ ቐልጢፉ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ ዘለዎን ከቢድ ከም ዝኾነን ብምዝኽኻር ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ ይብል።
ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ሊያ ኣብ ኢትዮጵያ እናተላበዐ ሰባት ንከቢድ ሕማምን ሞትን ዘቃልዕ ዘሎ ዴልታ ምህላው እኳ እንተተረጋገጸ እቲ ሕብረሰተብ ዝገብሮ ጥንቃቐ ግን ትሑት'ዩ ኢላ።
ብቐጻሊ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈቱ፣ ዝተፈላለዩ በዓላትን ምረቓ ተመሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከምኡ'ውን ካልኦት ምትእኽኻባት ምህላዎም ምኽንያት ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ከም ዝኾኑ ብምግላጽ እቶም ዝወጽኡ መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ተግባራዊ ክኾኑ ሓቲታ።
ኣብ ቀረባ ሳምንታት ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ፣ ብጽኑዕ ዝሓሙንን ዝሞቱን ሰባት ይውስኽ ከም ዘሎን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ዘስግእ ኩነታት ከም ዝበጽሐን ይግለጽ።
ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 335 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሓመሙ ሓበሬታ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብን እቲ ሚኒስትርን የመልክቱ።
ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 5260 ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ሞይቶም።
ኢትዮጵያ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ክታበት ምሃብ ካብ ዝጀመረትሉ ግዜ ኣትሒዙ ድማ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 2.6 ሚሊየን ሰባት ተኸቲቦም ኣለው።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
