ኬንያ፡ ንኣዋርሕ ኣብ መኣዲ ስርሑ ብዘይምርካቡ ዝተባረረ ፖሊስ ውኒኡ ስሒቱ ነይሩ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, JOAN JEPTOO
ንትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ መኣዲ ስርሑ ብዘይምርካቡ ዝተሰጎገ ኬንያዊ ፖሊስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሆስፒታል ኣብ ኮማ [ውኒኡ ስሒቱ] ከምዝነበረ ተፈሊጡ።
ሩበን ኪሙታይል ሌል ዝተብሃለ ፖሊስ፡ ናብ ሆስፒታል ምእታዉ ኮነ ኣብ ክፍሊ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ይሕገዝ ከምዝነበረ ዝፈልጥ ኣይነበረን።
ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ግና ኣብ ሆስፒታል ይሕከም ከምዝነበረን፡ ሕዚ ብዝተወሰነ ደረጃ ከምዝነቕሐን ተገሊፁ።
መሳርሕቱ ንኣዋርሕ ደሃዩ ክደልዩ ዝፀንሑ እንትኾኑ፡ ምናልባት ካብ ኣባልነት ፖሊስ "ከዲዑ" ወፅዩ ይኾን ብዝብል ገዲፈሞ ኔሮም።
ወርሓዊ መሃይኡ'ውን ንኣዋርሕ ምስተኸፈሎ፡ ክቋረፅ ግድን ኮይኑ።
እቲ ዘስደምም ጉዳይ ድማ ንገዛእ ስድርኡ'ውን ደሃዩ ዘይምፍላጦምን ንኣዋርሕ ክደልይዎ ምፅንሖም'ዩ።
እቲ ኣባል ፖሊስ ኣብ ዘየለሉ ንክእሰር'ውን ትእዛዝ ወፅይሉ ኔሩ፤ እንተኾነ ደሃዩ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ተቛሪጹ።
ሩበን፡ ኣብተን ካብ መኣዲ ስርሑ ዝቦኸረለን ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሆስፒታል ኔሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ውንኡ (ቀልቡ) ኣይፈልጥን ኔሩ።
ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ነቒሑ።
ዋላ'ኳ ሙሉእ ብሙሉእ መንነቱ እንተዘይተመለሰሉ፡ ሽሙን ፖሊስ ምዃኑ ምዝራቡ ስዒቡ፡ ኣዝማዱ ተደልዮም ከምዝተረኸቡ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን።
እቲ ፖሊስ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ብዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና'ዩ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል ድማ፡ 'መንነቱ ዘይፍለጥ' ውልቀሰብ ብዝብል ሕክምና ክግበረሉ ፀኒሑ።
ፖሊስ ሩበን ኣብቲ እዋን፡ መንነቱ ዝገልፅ መለለይ መንነት ኣይሓዘን ኔሩ ተባሂሉ።
ፖሊስ፡ ሩበን ቀልቡ ምፍላጡ ስዒቡ፡ ናብ ስርሑ ክምለስን መሃይኡ ከምዝኸፍሎን ኣፍሊጡ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
