እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዝተፈረመ ‘መምርሒ’ ከምዝድግፉ ገሊጾም
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ልዕሊ ተጻባእቲ ሓይልታት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሳኺ ማዕቀብ ንምንባር ዘኽእል መምርሒ ምፍራሙ፡ ከምዝድግፉ መራሕቲ ትግራይ ኣፍሊጦም።
ትማሊ ኣማስዩ፡ ብኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ተፈሪሙ ዝወጽአ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣመሪካ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ዝወስዶም ተኸታተልቲ ስጉምቲታት ከምዝንእድን፡ እቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ክውዳእ ዘቕርቦ ሓሳብን ከምዝቕበልን ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ብ17 መስከረም 2021 ምስ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምግሃስ ሰብአዊ መሰላትን ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ወገናት እገዳ ክግበር ዘኽእል መምርሒ ምፍራሙ ዝዝከር እዩ።
እቲ ማዕቐብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ገለ ዘይስሩዕ ሓይልታቱን መራሕቲ ህወሓትን ዘነፃፀረ ምዃኑ ተገሊፁ።
ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት እቶም ተጻባእቲ ኣካላት ንሰላማዊ ዝብርብ ቅሩባት እንተኾይኖም፡ እቲ እገዳ ክናዋሕ ዝኽእለሉ መገዲ ከምዘሎ ድማ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሒሩ ተዛሪቡ።
እቶም ተጻባእቲ ሓይልታትከ እንታይ ኢሎም?
ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተፈረመ መምርሒ ምውጽኡ ስዒቡ፡ ቅሉዕ ደብዳበ ዝጸሐፈ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ “ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እትኽተሎ ዘላ ፖሊሲ ትጽቢት ዘይተገብረሉን ንሰብኣዊነት ካብ ምሕላይ ዝሰገረን እዩ” ክብል ነቒፉ።
"ኢትዮጵያ ካብ ድሕነት ሚልዮናት ንስልጣን ብዘቕድሙ ውልቀ ሰባት ብዝተፍሓሰ ጸቕጢ ኣይተንብርከኽን” ክብል ድማ ከሲሱ።
እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ትማሊ ዝተውሃበ ምላሽ ብወገኑ፡ “ፕረዚደንት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልቅላው ኣመልኪቱ ሃገራዊ እዋን ሓደጋ ንምእዋጅ ዘገደድዎ ረቛሒታት፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣጸቢቑ ይግንዘብ እዩ” ዝበለ ኾይኑ፡ “እቲ ኣብ ትግራይ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት፡ ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ” ኢሉ።
ከምኡ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ ዝበጽሐ ግፍዒ ብመንጎኛ ክጻረን ገበነኛታት ብሕጊ ክሕተቱን ከምዝተሓባበር ደጊሙ ኣፍሊጡ።
“እቲ ቅልውላው ብወተሃደራዊ መገዲ መዕለቢ ክረክብ ከምዘይኽእልን ካልእ ኣንፈት ክርከበሉ ከምዝግባእን ንሕና’ውን ንኣምን ኢና” ብምባል፡ ነቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝቐረበ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ሓሳብ ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ መንግስቲ ፌዴራል ወተሃደራቱ ከምዝስሓበን በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ኣስሚዑ ከምዝነበረን ይዝከር።
ኣብቲ ተመሳሳሊ እዋን፡ ንከተማ መቐለን ሓዊሱ ንኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ‘በይናዊ ተኩሲ ደው ምባል ኣዋጅ’ ብምንጻግ፡ ንዝርርብ ሰላም ብርክት ዝበሉ ቅድመ ኩነት ኣቕሪቦም ነይሮም።
እቲ ቅድመ ኩነት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ከበባ ከቋርጽ ኩሎም ተጻረርቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓቢሮሞም ኣንጻር ትግራይ ዝተዋግኡ ሰራዊት ኤርትራን ካብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ዝጽውዕ እዩ።
መንግስቲ ፌዴራል ግን፡ ምስ 'ግበረ-ሽበራውያን' ኣይዘራረብን እየ ብምባል ነቲ ሓሰብ ኣይተቐበሎን። ሓይልታት ትግራይ ድማ እቲ ዘቕረቡዎ ቅድመ ኵነት ክሳብ ተቐባልነት ዝረክብን ብሓይልታት ፈደራል ዝተገብረ ከበባ ክሳብ ዝለዓልን ውግእ ደው ከም ዘየብሉን ቃልሶም ከም ዝቕጽሉን ገሊጾም።
እቲ ኲናት ከኣ ካብ ትግራይ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒዂ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘኸተለ ጸብጻበት ይሕብሩ።
ኣብ ትግራይ ተጻብኦታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብቕልጡፍ ጠጠው ክብሉን ጥሜት ከይስዕብ ዘይተገደበ ቐረብ ረድኤት ክበጽሕን፡ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብቲ ክልል ብቕልጡፍ ክወጽኡን፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽኡ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ደጋጊሙ ምሕታቱ ይዝከር።
ሰብኣዊ ቅልውላው
በቲ ዓሰርተ ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ቑጽሮም ዘይተፈልጠ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለውን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ንሱዳን ተሰዲዲም፤ ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ሰባት ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተመዛቢሎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።
ከምኡ ድማ፡ ሰፊሕ ዝኾነ ዝምታን ጾታዊ ዓመጻትን ከም ዝተፈጸመን ኣብ ልዕሊ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ሓያል ጥሜት ኣንጸላልዩ ከም ዘሎን ይግለጽ።