ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ናይ 'ዘይምኽሳስ መሰሎም' ተላዒሉ

Published

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ዝርከቦም ብገበን እተጠርጠሩ ኣባላት ቤት ምኽሪ፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ኣልዒሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ፡ ብገበን ናይ ዝተጠርጠሩ ኣባላት ቤት ምኽሪ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ከም ዘልዓለ መንግስታዊ ማእከን ዜና ኢቢሲ ጸብጺቡ።

ካብ መንጎ እቶም ናይ ዘይምክሳስ መሰሎም ዝተልዓለ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣቶ ኣስመላሽ ወልደስላሰን ኣቶ ኣባይ ጸሃየን እውን ከም ዝርከቡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቶም ኣባላት ቤትምኽሪ ኣጽዋር ሒዝካ ምዕማጽ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ብምውጋእን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ገበናት ከም እተጠርጠሩ ፋና ጸብጺቡ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ንዝወጸ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣጽዲቑ እዩ።

እንተኾነ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብ መስከረም 25 ንደሓር ንክልቲኦም ኣብያተ ምክርን ንቀዳማይ ሚነሲተር ኣብዪን ኣፍለዕቶ ከምዘይህብን፡ ተወከልቲ ትግራይ ምስሓቡን ዝዝከር እዩ።

ካብቶም ሃገራዊ ባይቶታት ዝወሃብ፡ ዝኾነ ውሳነ ድማ ተፈጻምነት ኣይህልዎን ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ህወሓት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ክልል ትግራይ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ እዩ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ንኲናት ይዳለው ኣለው ክብል ኣቐዲሙ ምኽሳሱ ዝዘከር እዩ።

ኣብቲ ንመዓልትታት ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጸር ሰብ ከም ዝሞተን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ናብ ሱዳን ይስደድ ከም ዘሎን ይግለጽ።