ኣመሪካ ኣብ ካቡል ብዝፈጸመቶ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣሚና

ማእኸላይ ኮማንድ ኣመሪካ ኣብ ዙርያ እቲ መጥቃዕቲ ኣድሂቡ ብዘካየዶ መጽናዕቲ መሰረት፡ ሓደ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛ ምስ 9 ኣባላት ስድርኡ ተቐቲሎም። ካብዚኣቶም እቶም 7 ቆልዑት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ብዝተፈጸመ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ’ዮም ሞይቶም።
ካብቶም ዝተቐተሉ ሰለማውያን ሰባት ብዕድመ እታ ዝነኣሰት ሱማያ ጓል ክልተ ዓመት ከምዝኾነት ተፈሊጡ።
እቲ 10 ኣባላት ስድራ ዝቐተለ ግፍዓዊ መጥቃዕቲ ድሮን ጣሊባን ፖለቲካዊ ስልጣን ኣፍጋኒስታን ምስተቖጻጸረ ኮይኑ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ዝነበረ ሒደት መዓልትታት’ዩ ተፈጺሙ።
እቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ዒስራ ዓመታት ወተሃደራታ ቅድሚ ምስሓባ ዝተፈጸመ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።
ትካል ድሕነት ኣመሪካ፡ ሓደ ናይ ገባሪ ሰናይ ሰራሕተኛ ምስ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ርክብ ነይርዎ’ዩ ብዝብል፡ ንኣስታት 8 ሰዓታት ክከታተሎ ከምዝጸንሐ ኣዛዚ ማእኸላይ ኮማንድ ጀነራል ኬኔት ማኬንዚ ተዛሪቡ።
መኪና ናይቲ ሰራሕተኛ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ምስ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ርክብ ነይርዎ’ዩ ዝተብሃለ ገዛ ከምዝተርኣየት ዝሓበረ መጽናዕቲ ማእኸላይ ኮማንድ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ካልእ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ምስ ዝተወጠነ መደብ ክተሓሓዝ ከምዝኽእል ተወሳኺ ሓበሬታ ስለዘመላኸተ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብዚ ከይዲ እዚ ናይ ስለያ ድሮን፡ ድሓረ ዝተዓሸገ ማይ ከምዝኾነ ዝተፈለጠ፡ ኮይኑ ግን ነታጕ ናብ መኪና ዝጽዓን ዘሎ ስለዝመሰሎ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተወሲዱ።
ጀነራል ማኬንዚ ነቲ መጥቃዕቲ “መስካሕኽሒ ጌጋ” ኢሉ ዝገለጾ ኮይኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ንኽውሰድ ጣሊባን ኢድ ከምዘይነበሮ ኣረጋጊጹ’ዩ።
እቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል 3 ኪሎ ሜትር ርሕቕ ኣሉ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ሰራሕተኛ ገባሪ ሰናይ ትካል ዝኾነ፡ ዛሚሪ ኣሕማዲ ከምዝተፈፀመ ተፈሊጡ።
ካብቶም ዝተቐተሉ ዓሰርተ ሰባት እቲ ሓደ ኣሕመድ ናስር ዝበሃል ኮይኑ፡ ንወተሃደራት ኣመሪካ በዓል ሞያ ትርጉም ኮይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረ ተገሊጹ።
እቶም ካልኦት ግዳያት እውን እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውያን ትካላት ተቖጺሮም ይሰርሑ ከምዝነበሩን፡ ናብ ኣመሪካ ንምእታው ዘኽእሎም ቪዛ ረኺቦም ምንባሮምን’ዩ ተፈሊጡ።

ስድራ ናይቶም ግዳያት ኣብ ጽባሕ እቲ መጥቃዕቲ ዝተወሰደሉ መዓልቲ ካብ ኣፍጋኒስታን ንምውጻእ ከምዘመልከቱ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናይቲ መጥቃዕቲ ዕላማ ዝነበረ ኣሕመዲንን እቲ ራዕዳዊ ጉጅለን ዋላ ሓንቲ ርክብ ከምዘይነበሮም ኣፍሊጡ።
ኣስዒቡ’ውን በቲ ዝተፈጠረ መጥቃዕቲ ይቕረታ ሓቲቱን፡ ካብቲ መስካሕኽሒ ዝበሎ ጌጋ ትምርቲ ክንወስድ ኢና ኢሉ’ሎ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
