ኣፍጋኒስታን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሲቫላውያን ዝበጽሐ ጉድኣት መጥቃዕቲ ኣየር ትምርምሮ ከምዘላ ገሊጻ

ዒላማ መጥቃዕቲን ዝወረደ ዕንወትን
መግለጺ ስእሊ, ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲን ዝወረደ ዕንወትን
Published

ኣመሪካ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ሓያሎ ቆልዑ ዝርከብዎም 10 ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ከምዝቐተለ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ቤተሰብ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ካቡል ዝርከብ መንበሪ ገዛ ናይታ ስድራቤት ዝነበረት መኪና ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ተፈሊጡ።

ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝበሎ፡ እታ መኪና ሓደ ምስ ዳዕሽ ጨንፈር ኣፍጋኒስታን ርክብ ዝነበሮ ውልቀሰብ ሒዛ ነይራ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ተሃሪሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብምእማት፡ ነቲ ጸብጻብ ይምርምርዎ ከምዘለዉ ኣመሪካ ገሊጻ'ላ።

ካብቶም ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ህጻናት እታ ዝናኣሰት ጓል 2 ዓመት ክትከውን እንከላ እቲ ዝዓበየ ድማ ወዲ 12 ዓመት ምዃኑ ጸብጻባት ጠቒሶም።

ገለ ግዳያት'ውን ምስ ዓለምለኻውያን ውድባት ዝሰርሑ፡ ከምኡ'ውን ናብ ኣመሪካ ዘእትዎም ቪዛ ሒዞም ዝነበሩ'ዮም።

ሓደ ካብ ቤተሰብ ግዳያት ዝኾነ፡ ኢማል ኣሕማዲ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እታ ዝነኣሰት ግዳይ ህጻን ሱማያ ጓሉ ምዃና ብምጥቃስ" ኣመሪካ "ጌጋ፡ ዓቢ ጌጋ ፈጺማ" ክብል ነቒፉ።

ካልእ ቤተሰብ ግዳያት ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ ድማ፡ "ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ'ዩ። ኣብ ግጉይ ሓበሬታ ዝተመስረተ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ጎዶቦታቱን ዝተዋፈረ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ነቶም ጸብጻባት ይምርምሮም ከምዘሎ ገሊጹ'ሎ።

እቲ ወተሃደራዊ እዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ድሕሪ'ቲ ናይ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፡ ነትጒ ከምዝተራእየን፡ ነታጒ ኣብቲ ቦታ ከምዝነበረ ዝሕብርን'ዩ ኢሉ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ብሰኑይ ዳዕሽ ጨፈንር ኣፍጋኒስታን ሓያሎ ሮኴታት ናብቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ኣመሪካ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ከምዝተኮሱ ገሊጾም።

ጸረ-ሚሳይላት ሰራዊት ኣመሪካ፡ ብውሕዱ ሓሙሽተ ዝኾኑ ተወንጨፍቲ ሮኴታት ከምዘበርዓነ ኣመሪካ ሓቢራ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ መጥቃዕቲታት ነቲ ሰራዊት ኣመሪካ ዘካይዶ ዘሎ ዜጋታቱን ተሓባበርቱን ናይ ምውጻእ ስርሒታት ከምዘይዕንቅፎ ኣመሪካ ገሊጻ'ላ።

ነፋሪት ኣብ ሰማያት ካቡል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ማእከል እቶም ካብ ኣፍጋኒስታን ንምውጻእ ኣብ ኣፍደገ'ቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያን ብዝተባርዐ ነታጒ ልዕሊ 13 ኣመሪካውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰባት ምቕታሎም ይዝከር።

ኣመሪካ፡ ኣብታ ሃገር ዝጸንሓ ናይ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ህላወ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ንከተማ ካቡል ድሕሪ ምቁጻጸሮም ኣብ ዘብቅዓሉ ዘሎ እዋን፡ ዜጋታታትን ተሓባበርታን ንምውጻእ ኣብ ኣዋጣሪ ኩነታት ኣትያ ምህላዋ ይፍለጥ።