ብሰንኪ ምስዋር ሓንቲ ኣባል ስለያ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሶማልያ ይሰፍሕ ከምዘሎ ተገሊጹ

Published

ፕረዚደንት ሶማልያ፡ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ፡ መዝነት ናይ ምሃብ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝደረተ ኣፍሊጡ።

ንሱ ነዚ ዝገበረ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን እናገደደ ዘመጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

“ናብ ፖለቲካውን ናይ ድሕነትን ቅልውላው ከእቱ ዝኽእል ተገዳስነት ዘይብሉ ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ” ክብል’ዩ ፋርማጆ ንቐዳማይ ሚንስተር ሞሓመድ ሑሴን ሮብሌ ዝኸሶ።

ሮብሌ ግን ብመምርሒ እቲ ፕረዚደነት ከምዘይቕየድ ብምግላጽ ዘይሕገመንግስታዊ ክብል ነቲ ውሳነ ነጺጉ።

እዚ ምስሕሓብ ብድሕሪ ምስጢራዊ ምስዋር ኢክራን ታህሊል ዝተባሃለት ሰላሊት ዝተፈጥረ ኮይኑ፤ ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ዕጥቃዊ ጎንጺ ከይውላዕ ተሰጊኡ’ሎ።

ጓል 25 ዓመት ኢክራን ታህሊል ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ገዝኣ ብመኪና ምስወጽአት’ያ ደሃያ ጠፊኡ።

መንግስቲ፡ ታህሊል በቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ርክባት ዘለዎ ጉጅለ ኣል-ሻባብ ከምዝተጨወየትን ከምዝተቐተለትን ይገልጽ።

ኣል-ሸባብ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ።

ቀዳማይ ሚንስተር ሮብሌ፡ ምስዋር እታ ኣባል ስለያ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክሕብር እናተገብኦ ነዚ ኣይፈጸመን ብዝብል ንሓላፊ ትካል ስለያ ፋሃድ ያሲን ካብ ስርሑ ከምዘባረሮ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ግን ንውሳነ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ብምቅዋም ነቲ ሓላፊ ካብ ስርሑ ክእግዶን ኣብ ቀይዲ ከውዕሎን ስልጣን ከምዘይበሉ ሓቢሩ።

ሚንስተር ድሕነት ሶማልያ’ውን በቲ ቐዳማይ ሚንስተር ካብ ስርሑ ምስጓጉ ብፕረዚደንት ፋርማጆ ተቓባልነት ኣይረኸበን።

ንጉዳይ ምስዋር ኣባል ስልያ ዝነበረት ታህሊል ዘጻሪ ኮሚሽን ብፕረዚደንት እታ ሃገር ክቐውም’ኳ እንተተገበረ፤ ኣዲኣ ግን ነዚ ውሳነ ብምቅዋም እቲ ጉዳይ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክረኣይ ሓቲታ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ኣብ ሶማልያ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ሰበስልጣን ክሸይምን ከውርድን ዝነበሮ ሓልፍነት ከምዘልዓሎ ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር ካብ 1 ጥቅምቲ ክሳብ 25 ሕዳር ኣብ ዘሎ እዋን ባይቶኣዊ መረጻ ክተካይድ ትልሚ ተታሒዙ’ሎ።

ነቲ ውሳነ ዝነጸገ ቀዳማይ ሚንስተር ሮብለ እቲ ፕረዚደንት ንመትከላት ምምርቓሕ ስልጣን ክዕቅብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዘሎ ወጥሪ ገና ካብቲ ብፕረዚደንት ፋርማጆ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ምንዋሕ እዋን መረጻን ምንዋሕ ዕድመ ስልጣንን ከምዝነቅል ይግልጽ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ትካላት ጸጥታን ድሕነትን ሶማልያ ዝተፈጠረ ምክፍፋል ናብ ዘስግእ ደረጃ ከምዝበጽሐ ኤዲተር ቢቢሲ ሶማሊ ሙህያዲን ሮብሌ ይገልጽ።

ኣብዚ እዋን ኣዘዝቲ ጸጥታ ናብ ክልተ ቦታታት ተኸፋፊሎም ኣለዉ። ኤጀንሲ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ክልተ ጊዚያዊ ሓለፍቲ ዘለውዎ ኮይኑ እቲ ሓደ ብፕረዚደንት ፋርማጆ እቲ ካልኣይ ድማ ብቐዳማይ ሚንስተር ሮብለ ከምዝተሾሙ ይፍለጥ።