ኣብ ሱዳን ብሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 80 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ኣብ ሱዳን ሓደጋ ውሕጅ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሱዳን ብዘጋጠሙ ሓደጋታት ውሕጅ ልዕሊ 80 ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ጉድኣት ከምዝበጸሖምን ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

እቶም ሓደጋታት ውሕጅ ዘጋጠሙ ክረምቲ ካብ ዝኣተወሉ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ እንትኾን ኣብ ንብረት እውን ከቢድ ዕንወት ወሪዱ እዩ፡፡

ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ ምክልኻል ሓደጋ ሱዳን፡ እቲ ንተኸታተልቲ ክልተ አዋርሕ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ዘስዓቦ ጉድኣት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብሓፈሻ 84 ሰባት ከምዝሞቱን 67 ጉድኣት ከምዝበጸሖምን ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ዝዘነበ ከቢድ ዝናብ እታ ሃገር ካብ ዘለዉዋ 18 ግዝኣታት ኣብተን 14 ጉድኣት ከምዘብጸሐ ተገሊጹ፡፡

እቲ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ልዕሊ ህይወት ካብ ዘብጸሖ ጉድኣት ብተወሳኺ ልዕሊ 30 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ዘዕነወ ኮይኑ፡ ኣብ ኣዝርእትን መሰረተ ልምዓትን እውን ጉድኣት ኣብጺሑ እዩ፡፡

ውድብ ሕቡራት ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ድማ በቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ኣስታት 102 ሽሕ ሰባት ንጸገም ከምዝተቓልዑ ኣመልኪቱ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ውሕጅ 100 ሰባት ዝቐተለ ኮይኑ ልዕሊ 100 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ብምዕናው ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ኣብ ጸገም ክወድቁ ምግባሩ ዝዝከር እዩ፡፡

ብምኽንያት ግድብ ህዳሰ ናይ ማይ ሕጽረት ከጋጥማ ከምዝኽእል ስግኣታ ክትገልጽ ዝጸንሐት ሱዳን፡ ኣብ ግዝኣታ ብዝዘንብ ከቢድ ዝናብን ብሩባ ኣባይ ኣቢሉ ብዝመጽእ ውሕጅን ከቢድ ጸገም የጋጥማ ኣሎ፡፡