ትራምፕ ኣብ ሂዩስተን ንዘጋጠመ ዕልቕልቕ ዝውዕል ህጹጽ ገንዘብ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋይት ሃውስ፡ ባይቶ ኣመሪካ፡ ሃርቨይ ብዝስመ ሆቦበላ ንእተጠቕዑ ዜጋታቱ ንምሕጋዝ ዝውዕል ህጹጽ ገንዘብ ሓቲቱ።
ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንሰ ንቴክሳስ ኣብ ዝብጽሓሉ ግዜ "ህዝቢ ኣመሪካ ምሳኹም እዩ" እዛ ኸተማ፡ እዚ ዞባን ምምሕዳርን ናብ ንቡር ተመሊሱ ፡ ብዝለዓለ ክሳብ ዝበራበር መዓልታዊ ምሳኹም ክንህሉ ኢና" ኢሉ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ሂዩስተን ዘጋጠመ ዕንወት ንምሕዋይ፣ $5.9 ቢልዮን (£4.56 ቢልዮን )ህጹጽ ረድኤት ይጽበ ምህላዉ ኣሾሽይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግሬግ ኣቦት ኣቐዲሙ ካብ ፈደራል መንግስቲ $125 ቢልዮን ሓገዝ ከምዘድሊ ገሊጹ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ በቲ ሓደጋ 39 ሰባት ምማቶም ተፈሊጡ።
ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓገዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንሰ ድሮ 311,000 ሰባት ሓገዝ ደልዮም ስለዝተመዘገቡ፡ ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ተሓቲቱ ዘሎ ሓገዝ ብምሉእ ድምጺ ክጸድቖ ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ።
ይኹን እምበር እቲ ሓገዝ መዓስ ኣብ ኢድ ግዳያት ከምዝበጽሕ ኣይተፈልጠን።
ናይ ሕቡራት መንግስታት ክፍሊ ምሕደራ ህጹጽ ኩነታት፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሓደ ሓደ፡ ናይ ሓሶት፡ ናይ መድሕን ትካላት፡ ምሉእ ውሕስነት ክትረኽቡ ገንዘብ ወሰኹ ብምባል ንሰባት ከይደናግራ ይፍትና
ምህላወን ሓበሬታ ስለዝበጸሖ ነበርቲ ሂዩስተን ክጥነቀቑ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ደቡብ ቴክሳስ ዝርከባ ትካላት ጸዓት፡ ነዳዲ ናይ ምጽራይ ስርሐን ከቃረጻን ሻምብቆታተን ክዓጽዋን ስለዝተገደዳ ኣብ መላእ ኣመሪካ ዋጋ ነዳዲ ንሂሩ ይርከብ።
ዋላ'ኳ ገሊአን ትካላት ኣብዚ እዋን እዚ ስርሐን ጀሚረን እንተለዋ እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስ ኣስታት ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ክወስድ እዩ።
ዝተመዛበሉ ነበርቲ ናብ ቤቶም ንከይምለሱ ከቢድ ብድሆታት ኣጋጢሙዎም ኣሎ። ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓውን ዕልቕልቕን ብህይወት ዘለዉ ይኹኑ ዝሞቱ ሰባት ንምድላይ ቤተ-ቤት ዝጀመሩዎ ተፍትሽ ክልተ ሳምንታት ክወስደሎም ይኽእል'ዩ።
ሆቦቡላ ሃርቨይ እንታይ ዓይነት ናይ ጥዕና ሳዕቤን ከኸትል ይኽእል?
ተፍትሽ ቤተ-ቤት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክፍሊ ምክልኻል ኣከባቢ፡ ብሰንኪ እቲ ዕልቕልቕ ኣቕርቦት ጽሩይ ዝስተ ማይ ኮነ ጸዓት ስለዝተሰናኸለ ነበርቲ ክጥንቅቑን ጥዕነኦም ክሕልዉን ተላብዩ። ሆስፒታል ቢኣወሞንት ምብራቕ ሂዩሰትን
ንሕሙማታ እተቕረቦ ጽሩይ ዝስተ ማይ ስለዝተስናክላ ንሕሙማታ ብሄሊኮፕተር ከተውጽኦመ ተገዲዳ።
ኣብታ ብኸቢድ ሓደጋ ህቦብላ ንፋስ ተጢቒዓ ዘላ ሂዩስተን ኣብ ክሮስብይ ዝርከብ ናይ ኬሚካል ፋብሪካ፡ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙዎ።
እቲ ኣብ ኣርኬማ ዝተኸዘነ ኬሚካል ከይትኮስ ስግኣት ኣሎ። ኣብቲ ከባቢ፡ ድሮ ኣብ 1.5 ማይል ርሕቀት ዝርከቡ ነበርቲ ወጺኦም ኣለው።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
