ወዲ 3 ዓመት ኣውስትራልያዊ ህጻን ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልትታት ኣብ ጫካ ተረኺቡ

ኣውስትራልያ

ምንጪ ስእሊ, NSW POLICE

Published

ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ጫካ ጠፊኡ ክድለይ ዝጸንሐ ወዲ 3 ዓመት ኣውስትራልያዊ ህጻን ተረኺቡ።

ኣንቶኒ “ኤጄ” ኤልፋላክ ብሰኑይ እዩ ኣብቲ ብስድራቤቱ ዝውነን ጤሳ፡ ካብ ዝዛሪ ርባ ማይ እናሰተየ ብናይ ፖሊስ ሄሊኮፕተር ተረኺቡ።

እቲ ኦቲዝም ዘለዎ፡ ክዛረብ ዘይክእልነ ህጻን ብዓርቢ እዩ ካብ ገዝኡ ጠፊኡ።

ወለዱ ተጨውዩ ከይኸውን ብዝብል ብፍርሒ ተዋሒጦም ምንባሮም ተገሊጹ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ግና ኤጄ ኣብ ገምገም ካብ ገዝኡ ኣስታት 500 ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ርባ ረኺቦምዎ።

ኤጄ ኣብ ኣእጋሩ ተፋሓናጪሩ ክዳውንቱ ጠልቅዩ እኳ እንተነበረ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዝተረኸበ ሰብ መዚ ገሊጾም።

ነቲ ኩነት “ተኣምራት’ዩ” ክብል ዝገለጸ ኣቦኡ ኣንቶኒ ኤልፋላክ “ብጻጸ ተነኺሱ፡ ወዲቑ’ውን ነይሩ፤ ግና ብህይወት ጸኒሑ” ክብል ኣብ ቴለቪዥን ተሰሚዑ።

“እግረይ፡ ብርከይ፡ ምሕዅልተይ፡ ክኸይድ ኣይኽእልን። ኣርባዕተ መዓልትታት ኣብቲ ጫካ እየ ቀንየ፡ ብዘይ ምድቃስ። ኣየቋረጽናን” ኢሉ።

ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ወለንታውያንን ንመዓልታት ኣብቲ ጫካ ኣለሻ ከካይዱ ቀንዮም። በቲ እቲ ህጻን ዝተረኽበሉ ከባቢ’ውን ኣቐዲሞም ሓሊፎም ምንባሮም ተገሊጹ።

ኣባላት ስድራቤቱ ምርካብ እቲ ህጻን ዘበስር ዜና ምስ ሰምዑ ሓጎሶም ክገልጹን ክጽምብሉን ዘርእይ ምስልታት መራኸቢ ብዙሓን እቲ ከባቢ ዘርጊሐን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ በቲ ዜና ከም ዝተሓጎሰ ገሊጹ።

እቲ ቆልዓ ንምንታይ ካብ ገዝኡ ከም ዝወጸ ከም ዘይፈልጡ ወለዱ ተዛሪቦም።