ቶዮታ፡ ብሰንኪ ሓደጋ ተኣጊደን ዝጸንሓ መራሒ ዘይብለን መካይን ዳግም ስራሕ ጀሚረን

ምንጪ ስእሊ, TOYOTA
ኣብ ቶኪዮ ኣብ ሓደ ጸወታታት ፓራለምፒክ ዝካየደሉ መንደር ኣብ ኣገልግሎት ውዒለን ዝነበራ ፍርያት ቶዮታ ዝኾና መራሒ ዘይብለን ተሽከርከርቲ ዳግም ስራሕ ክጅምራ ተፈቒዱለን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓንቲ ካብዚአን ዝኾነት መኪና ንሓደ ዓይነ ስውር ተወዳዳሪ ምስ ሃረመት እተን ተሽከርከርቲ ተኣጊደን ጸኒሐን።
እቲ ተወዳዳሪ ዝበጽሖ ጉድኣት ከቢድ'ኳ እንተዘይኮነ ብሰንኪ'ቲ መጉዳእቲ ግን ኣብቲ ውድድር ክሳተፍ ኣይክኣለን።
እተን ተሽከርከርቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ጉድኣት ከየብጽሓ ብዝብል ድማ ተወሳኺ ቑጽጽር ዝገብሩ ሰራሕተኛታት ተመዲቡለን ኣሎ።
ተሳታፊ ፓራለምፒክ ዝኾነ ኣባል ጉጅለ ጁዶ ጃፓን ኣራሚቱ ኪታዛኖ ብሓሙስ ብናይ እግረኛ መቋረጺ መገዲ [ዜብራ] ኣብ ዝሓልፈሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ'ዩ ብመኪና ተገጭዩ።
በዚ ምኽንያት ካብቲ ዝወዳደረሉ ዝነበረ ናይ 81 ኪሎ ግራም ውድድር ከይተሳተፈ ተሪፉ።
ትማሊ ቶዮታ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቲ መኪና ንነገራት ዝፈልየሉ ኣካል [ሴንሰር] ናይቲ ኣጋር መሳገሪ ብምርዳእ ነቲ ኣውቶሜቲክ ፍሬን እንተንቀሳቐሶን ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ኦፕሬተር ናይ ሓደጋ እዋን ነቲ ፍሬን እንተተጻዕኖን እቲ መኪና ሙሉእ ንሙሉእ ቅድሚ ጠጠው ምባሉ ነቲ ኣጋር ኣርኪቡዎ" ኢሉ።
እቲ ኩባኒያ ድሕነት ኣጋር ተጉዓዝቲ ንምሕላው ልዕሊ ሓደ በዓል ሞያ ድሕነት ዝተመደበ ኮይኑ እቲ ተሽከርካሪ ዝጉዓዘሉ ፍጥነት በቲ ኦፕሬተር ክውሰን ተገይሩ'ዩ ክብል'ውን ሓቢሩ።
እዚ ተጉዓዝቲ ንምንቃሕ ዝሕግዝ ልዑል ድምጺ ዘካተተ'ዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ ውድድር ፓራሎምፒክ ዝካየደሉ መንደር፡ ሰብ ኣብ ዝበዝሖም መቋረጺ መገዲታት ዘለው መምርሒታት ኣጋር ካብ ሽዱሽተ ናብ 20 ሓፍ ከም ዝብሉ ክግለጽ እንከሎ፡ "መዓልታዊ ኣገልግሎትና ክሳብ እንውድእ ምምሕያሻት ድሕነት ክንገርብ ኢና" ክብል ቶዮታ ኣፍሊጡ።
እቲ መራሒ ዘይብሉ መኪና ሓደጋ ምስ ኣብጽሐ ፈጻሚ ስራሕ ቶዮታ ኣኪዮ ቶዮዳ ኣብ ኣደባባይ ይቕሬታ ሓቲቱ እዩ።
እዘን ሙሉእ ንሙሉእ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ተሳተፍቲ ኦሎምፒክን ፓራሎምፒክን ናብቲ ናይ ውድድር ቦታ ብፍጥነት ንክበጽሑ እየን ናብ ስራሕ ክኣትዋ ተገይሩ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
