እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሞት መርዓዊ ዝተጠርጠሩ መርዓትን ካልኦት መሓዙትን ኣብ ቀይዲ ውዒሎም
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ሓድሽ መርዓዊ ሞይቱ ስለዝተረኸበ መርዓት እትርከቦም ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
ገመቺስ ሞሲሳ ስነስርዓት መርዕኡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ነቀምቴ ካብ ዝፍጸም ድሕሪ መዓልታት’ዩ ሞይቱ ተረኺቡ።
እቲ ወዲ 28 ዓመት ነርስ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም “ተመርዕየ ኣለኹ” ዝብል መልእኽቲ፤ ኣብ ጽባሕ ድማ ናይ መርዕኡ ስእልታት ብፌስቡክ ጠቂዑ ነይሩ።
“ገመቺስ ኣብ ቤተክርስትያን እዩ ተመርዕዩ። እቲ ስነስርዓት ከኣ ኣስዩ ውቁብ ነይሩ” ክብል ሓደ ካብ ኣዝማዱ ዝኾነ ጫላ ኢንኮሳ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“እቲ ሓጎስ ናብ ሓዘን ምስተቐየረ ኩሉ ቤተሰብ ኣብ መሪር ሓዘን ይርከቡ” ክብል እውን ገሊጹ።
ቤተሰቡ ከምዝበልዎ ንመወዳእታ ጊዜ ዝተረኣየሉ መዓልቲ፤ ኣብ ጽባሕ መርዕኡ ሰንበት ካብ ገዛ ወጺኡ ክኸይድ ከሎ ነይሩ።
ክጽበይዎ እንተወዓሉ ንሱ ግን ክምለስ ኣይከኣለን።
በዚ ዝተሻቐሉ ስድርኡን መሓዙቱን ገመቺስ ምጥፍኡ ንፖሊስ ሓበሬታ ብምሃቦም ኣለሻ ተጀመረ።
ፖሊስ ብዘካየዶ ኣለሻ ድማ ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ንኢሽተይ ቃላይ ኣስከሬኑ ተረኺቡ።
ተኸዲንዎ ዝነበረ ጃኬት ከኣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ኦም ተንጠልጢሉ ጸኒሑ።
ሓላፊ ጸጥታ ከተማ ነቀምቴ ምስጋኑ ዋቅጋሪ ከምዝሓበሮ፡ ወርቃዊት ቀለበት ኣጻብዕቱን ናይ ኢዱ ሰዓትን ተረኺቦም ኣለዉ።
ኣብዚ ጉዳይ ዝካየድ ምጽራይ ይቕጽል ምህላዉ’ውን ኣፍሊጡ።
ስነስርዓት ቀብሪ ገመቺስ ብሓሙስ ዝተፈጸመ ኮይኑ ብዘሓት ሰባት ሓዘኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ይገልጹ ኣለዉ።