ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ 1 ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምዕዳግ ከምዝሓተተት ተገሊጹ

Published

ሱዳን ሓደ ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ካብ ኢትዮጵያ ንምዕዳግ ትዘራረብ ምህላዋ ወኪል ዜና እታ ሃገር ሱና ጸብጺቡ።

ሱና፡ ንሚንስተር ጸዓትን ነዳድን ሱዳን ኢንጂነር ጄደን ዓሊ ኦቢደን ጸሪሑ ከምዝጸብጸቦ፤ እታ ሃገር ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምዕዳግ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምዝርራብ ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ካርቱም መገሻ ዝገበሩ ሰብሞያ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ፡ መስመር ንምዝርጋሕ ዘድልይ መጽናዕቲ ከምዘካየዱ’ውን እቲ ሚንስተር ተዛሪቡ።

ሰብሞያ ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝግበር ዝርርብ ከምዝቕጽል ከኣ ሓቢሩ።

እታ ሃገር ቅድም ክብል ኣስታት 200 ሜጋዋት ሓይሌ ኤለክትሪክ ካብ ኢትዮጵያ ብምዕዳግ ትጥቀም ዘላ ኮይና፤ እዚ ድማ ን10 ሚኢታዊት ጠለብ ኤለክትሪክ ከምዝሸፈነላ ጸብጻብ ሱና የመልክት።

ሚንስተር ጸዓትን ነዳድን ሱዳን ኢንጂነር ጄደን ዓሊ፡ ሃገሩ ካብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤለክትሪክ ምዕዳጋ መግለጺ ናይቲ ምስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለዋ ንግዳዊ ምትእስሳር ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

እቲ ንግዳዊ ምትእስሳር ከኣ ብገንዘባዊ ሓገዝ ባንኪ ዓለም ከምዝድገፍ ምግላጹ ወኪል ዜና ሱዳን - ሱና ጸብጺቡ።

ሱዳንን ጂቡትን፤ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤለክትሪክ ካብ ሞንጎ እትሸጠለን ሃገራት ይጥቀሳ።

ኣብ ህንጸት ዝርከብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምስተዛዘመ ከኣ እቲ ዘመንጭዎ ሓይሊ ንጠለብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ምምላእ ብተወሳኺ ንመሸጣ’ውን ከምዝበቅዕ ይግለጽ።

ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ከምዝተፈጸመ ዝዝከር ኮይኑ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ብዝተወሰኑ ‘ተርባይናት’ ኣቢሉ ብኸፊል ሓይሊ ከመንጩ ትጽቢት ይግበር።

እንተኾነ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ዛጊድ ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ውጽኢታውን ዘተኣማምንን ዝበሃል ስምምዕ ኣይገበራን።

ኣብ ቀረባ እዋን ንኻልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ስዒቡ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘጋጠመ ምትፍናን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተራእዩ ምንባሩ ይዝከር።