ኩዕሶ እግሪ፡ ካብ ባርሰሎና ዝፋኖ ዘሎ ሊዮነል መሲ ናበይ ከብል’ዩ?

ሊዮነል መሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ተጻዋታይ ስጳኛዊት ክለብ ባርሰሎና ዝኾነ ሊዮነል መሲ፡ ዝነበሮ ውዕል ወዲኡ ከምዝፋኖ እታ ክለብ ኣፍሊጣ።

ወዲ 34 ዓመት ኣርጀንቲናዊ መሲ፡ ምስ ባርሰሎና ክቕጽል እንተኾይኑ፡ ነታ ክለብ ንዝመጽእ 50 ዓመታት ኣብ ሓደጋ ከእትዋ ከምዝኽእል ፕረዚደንት ናይታ ክለብ ጆዋን ላፖርታ ገሊጹ።

እቲ ተጻዋታይ ዝሓቶ ክፍሊት ልዕሊ'ቲ ሕጊ ላ ሊጋ እታ ሃገር ዝቐመጦ ናይ መሃያ ገደብ ብምዃኑ፡ እታ ክለብ ናይ ተለቪዥን መሰላታ ክትቅንጠጥ ከምዝኽእል ይንገር።

መሲ፡ ን21 ዓመታት ዓንዲ-ሕቖ ባርሰሎና ብምዃን፡ ንሱን ክለቡን ቀጻሊ ዓወታት ክጎናጸፉ ዘኽኣለ ምዃኑ ይፍለጥ።

ባርሰሎና ንሓያሎ ዓመታት ንኩዕሶ እግሪ ክለባት ኣውሮጳ ኣብ ምዕብላል ዝነበሮ ግደ ዓቢ እዩ።

ንባዕሉ'ውን፡ ን6 ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ብምዃን ናይ ፊፋ ሽልማት 'ባሎን ዲ'ኦር' ተዓዊቱ'ዩ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ምውጻእ መሲ ካብታ ክለብ ንኩዕሶ እግሪ ዓለም ዘሰምበደ ዜና ኮይኑ ይርከብ።

ዋላ'ኳ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ምስታ ክለብ ዝነበሮ ውዕል እንተብቀዐ፡ ትማሊ ሓሙስ ክሳብ 2026 ከቐጽሎ ዝኽእል ሓድሽ ውዕል ክፍርም ትጽቢት ነይሩ።

መሲ፡ ነቲ ውዕል ንምፍራም መሃያኡ ብፍርቂ ክጎድል ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይግለጽ።

እንተኾነ ግን፡ ነዚ ንምግባር ካልኦት ተጻወቲ ክሸጡ ነይርዎም። ምኽንያቱ፡ ንተጻወቲ ዝህብዎ ክፍሊት ብ200 ሚልዮን ዩሮ ክጎድል ስለዝነበሮ።

መሲ ናበይ የብል ይኸውን?

ካብታ ዝዓበየላን ዝደመቐላን ክለብ ባርሰሎናስ ወጸ፡ ናበይ የብል ይኸውን ዝብል ግን ካልእ ዓቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ።

ቅድሚ ውዕሉ ምውድኡ፡ ካልኦት ክለባት ክወስድኦ እንተኾይነን 700 ሚልዮን ዩሮ ክሕተታ ይኽእላ ነይረን። ሕጂ ግን ውዕሉ ስለዘብቅዐ ብዘይዝኾነ ናይ ምስግጋር ክፍሊት ናብ ዝደለዮ ክጽንበር ይኽእል'ዩ።

ቀንዲ ካብ ዝሕመያ ክለባት እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ እያ። መንቀሊ ናይዚ ድማ፡ ኣሰልጣኒ ናይታ ክለብ ፐፕ ጓርዴላ፡ ኣብ ልዕሊ መሲ ልዑል ኣድናቖት ስለዘለዎ'ዩ።

ኣብ ሓደ እዋን ኣሰልጣኒ ባርሰሎና ዝነበረ ጓርዴላ፡ ብሓገዝ መሲ ክልተ ዋንጫታት ቻምዮንስ ሊግ ኣውሮጳን፡ ውድድራት ስጳኛን ተጎናጺፉ'ዩ።

ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ'ውን፡ ንፉዕ ኣሰልጣኒ ክኸውን ሓጊዙኒ ክብል ንመሲ ከመስግኖ ተሰሚዑ'ሎ።

ካብኡ ሓሊፉ'ውን ናብታ ብራዚላዊ ብጻዩ ነበር ነይማር ዝተጸምበረላ ፈረንሳዊት ክለብ 'ፒ-ኤስ-ጂ' ክኸይድ ተኽእሎ ከምዘሎ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ይገልጹ።

ክልቲአን ክለባት ተጠመቲ ዝገብረን፡ ሳላ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጹ ሃብታማት ወነንተን፡ ንክፍሊት መሲ ኢድ ኣይክሓጽረንን እዩ ብዝብል'ዩ።

ናብ ኢጣልያን ጀርመንን ከብል ይኽእል'ዩ ዝብሉ'ውን ኣይተሳእኑን።

ክሳብ ኣብ ሓዲኡ ዝዓልብ ግን፡ ዜናታት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ብመሲ ከይተዓብለለ ኣይክተርፍን እዩ።