ኣመሪካ፡ ገፈፍቲ ዓሳ ምስ ናይ ደቂ ሰባት ዝመሳሰል ኣስናን ዘለዎ ዓሳ ረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ኣብ ኣመሪካ ሳሕቲ ዝርከብ፡ ምስ ናይ ደቂ ሰባት ዝመሳሰል ኣስናን ዘለዎ ዓሳ ተረኺቡ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ስእሊ ናይቲ ኣብ ሰሜን ካሮላይና ዝተረኸበ ዓሳ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ተዘርጊሑ።
እቲ ‘ሺፕሄድ’ ዝብል ሽም ዝተዋህቦ ዓሳ፡ ኣዳቒቑ ክምገብ ዘኽእሉዎ ብመደዳ ዝተሰርዑ ኮራርምቲ ዘለዎ እዩ።
ምናልባት እውን እዚ ሽም ዝተዋህቦ ኣፉ ምስ ናይ በጊዕ ኣፍ ስለ ዝመሳሰል ክኸውን ይኽእል፡፡
ነቲ ዓሳ ዝረኸበ ናታን ማርቲን ዝተባህለ ውልቀ ሰብ፡ ምስቲ ‘‘ኣፉ ብኣስናን ዝመለአ’’ ዓሳ ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸቡ፡ ነቲ ዓሳ ክሕዞ ከም ዝደለየ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ሓያል ቃልሲ'ዩ ነይሩ፤ ብጣዕሚ ጥዑም ከኣ’’ ክብል ንማክክላቺ ኒውስ ተዛሪቡ፡፡
እቲ ቢግቲዝቢግታይምስ ብዝብል ሃሽታግ ዝተዘርገሐ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ፡፡
ሓደ ወሃቢ ርእይቶ ‘‘ኣርቴፍሻል ስኒ ካብዚ ድዩ ዝርከብ?’’ ክብል ክምስ ዘብል ርእይቶ ጽሒፉ፡፡
ሓደ ካልእ ድማ ‘‘እቲ ዓሳ ካብ ናተይ ዝሓይሽ ስኒ ኣለዎ’’ ክብል ጽሒፉ፡፡








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
