ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ብቕትለት ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ሰባት ናይ መወዳእታ ፍርዲ ተቐቢሎም

Published

ብቅትለት ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተኸሲሶም ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ውልቀሰባት ንሕልፈትን ነዊሕ ዓመታት ማእሰርትን ተፈሪዶም።

ናይቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተፈጸመ ቅትለት ቀንዲ ተሓታቲ ዝተባህለ ጥላሁን ያሚ ንሕልፈት ክእሰር ተበዪንሉ ኣሎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጉዳያት ሽበራን ሕገ-መንግስትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ካልኣይ ክሱስ ዝኾነ ከበደ ገመቹ ን18 ዓመታት ክእሰር ፈሪድዎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ክልቲኦም ተኸሰስትን፡ ካልእ ኣብዲ ኣለማየሁ ዝተባህለ ውልቀሰብን ገበነኛታት ከምዝኾኑ ምውሳኑ ይዝከር።

ኣኽባር ሕጊ፡ ብፍላይ ጥላሁን ያሚ ብሞት ክቕጻዕ ጠለብ ኣቕሪቡ'ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ብይን ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብቲ ጉዳይ ሳልሳይ ክሱስ ዝነበረ ኣብዲ ኣለማየሁ ድማ ንሽድሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ተፈሪዱ። እንተኾነ ግን፡ ካብኡ ንላዕሊ ኣብ ቀይዲ ብምጽንሑ ክፍታሕ ተወሲኑ'ሎ።

እዚ ናይ ሎሚ ፍርዲ ነቲ ንነዊሕ ዝቐጸለ ሕጋዊ መስርሕ ቅትለት ሃጫሉ መደምደምታ ዝህብ'ዩ ተባሂሉ።

መስርሕ ፍርዲ ብምንውሑ ቤተሰብ ናይቲ ግዳይ፡ ቅሬታታት ከስምዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እቲ ብቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ዝፍለጥ ውሩይ ደራፋይ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2020 ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተቐተለ ይዝከር።

ቅትለቱ፡ ኣብታ ሃገር ዓቢ ስንባደን ናዕብን ዘስዓበ'ዩ ነይሩ። ብሰንኩ ድማ ኣማኢት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ብዙሕ ንብረት ድማ ዓንዩ።

ምስቲ ዝቐጸለ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ድማ ከም ጃዋር መሓመድ ዝበሉ ሓያሎ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።