ኢንስታግራም፡ 'ኣካውንት' ናይ'ታ ናይ ዓለምና ፈጣን ጓል ኣንስተይቲ ተሸላሚት ወርቂ ዓጽዩ

ኣትሌት ኢሌን ቶምፕሶን -ሄራህ፡
Published

ኢንስታግራም፡ ናይታ ናይ ዓለምና ፈጣን ጓል ኣንስተይቲ ኣትሌት ተሸላሚት ወርቂ ሜዳልያ ዝኾነት ኣትሌት ኢሌን ቶምፕሶን -ሄራህ፡ መጥቀሚ ኣካውንታ ብጌጋ ከም ዝዓጸዮ ኣፍሊጡ።

ቶምሶን-ሄራህ፡ ኣብ ውድድር 100ን 200 ሜትሮታት ጉያ ተዓዋቲት ምዃና ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ኢንስታግራም ኣካውንታ ኣካፊላ ነይራ።

ወናኒ ኢንስታግራም ኩባኒያ ፌስቡክ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብቲ 'ብጌጋ እዩ' ዝብል ምኽንያት ዝተውሃቦ ስጉምቲ፡ ኣካውንት ናይታ ብልጽቲ ጎያዪት ዓጽዩ [ብሎክ] ነይሩ።

እታ ናይ ዓለምና ፈጣን ጎያዪት ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣካውንታ ከም ዝተኸፍተ ተፈሊጡ።

ኢንስታግራም፡ ካብ ወነንቶም ዘይፍለጡ ምስልታት ብዝምልከት ኣዝዩ ብርቱዕ ሕጊ 'መሰል ሕታም' እዩ ዝኽተል ተባሂሉ።

ቶምፕሶን-ሄራህ ኣብ ትዊተር ናይ ኢንስታግራም ገጻ ከም ዝተዓጽወ ኣፍሊጣ ነይራ።

እቲ ስጉምቲ 'ነቲ ምስሊ ናይ ምልጣፍ መሰል የብልክን' ብዝብል ምኽንያት ዝተወስደ ከም ዝኾነ ሓቢራ።

ወሃቢ ቃል ፌስቡክ፡ ንወኪል ዜና ሮይተርስ ከም ዝበሎ እቲ ትሕዝቶ ካብ'ቲ ገጽ ተኣልዩ እናሃለወ፡ መሊስካ ናይታ ኣትሌት ኣካውንት ምዕጻው ግን ግቡእ ኣይነበረን ኢሉ።

ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክ (IOC)፡ ናይቲ ኣብ ኦሎምፒክ ውድድር ዝምልከት ኮነ ስነ-ስርዓት ሽልማት ዘርኢ ምስሊ ኣብ ኦንላይን ከይልጥፉ ዝኽልክል መምርሒ ኣለዎ።

ንሱ ንሮይተርስ ከም ዝበሎ፡ ናይቲ ውድድር ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምልጣፍ ሓዊሱ፡ ብሕታዊ መሰል ዋንነት ዘለዎም ናይ ሚድያ ትካላት ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

ይኹን'ምበር፡ ኣትሌታት ነቶም ኣሳእልን ምስልታትን ካብዞም ዋንነት ዘለዎም ሚድያታት ተቐቢሎም፡ ናብ ውልቃዊ ገጻቶም ከካፍሉ ይፍቀደሎም እዩ-ኢሉ።

ዝኾነ ይኹን ነዚ ሕጊ ዝጥሕስ ትሕዝቶ እንትልጠፍ ግን ክእለ ይኽእል እዩ።

እታ ኣትሌት ነቲ ምስሊ ካበይ ረኪባ ከም ዝለጠፈቶ ዛጊድ ኣይተነጸረን።

ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣብ 2018 ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ፒዮንግንቻንግን ጸወታታት ቶኪዮን ሓዊሱ ክቕበሎ ዝግባእ ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ኣለዎ።

ኣብዝሓ እቲ ኣታዊ ድማ፡ ተመሊሱ ነቶም ውድድራትን ነቶም ኣትሌታትን ንምድጋፍ ከም ዝውዕል ተገሊጹ።

ቶምፕሶን ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ፡ ኣብ ውድድራት ጉያ 100ን 200ን ሜትሮታት ብምዕዋት ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ ኣላ።

ነቲ 200 ሜትሮ ጉያ ንምውዳእ፡ 21.53 ሰከንድ ዝወሰደላ ኾይኑ፡ ካብታ ብቕድሚኣ ነቲ ክብረ ወሰን ንነዊሕ እዋን ሒዛቶ ዝጸንሓትኣትሌት፡ ብ0.19 ሰከንድ በሊጻ ከምዝኣተወት ተፈሊጡ።

ቶምፕሶን-ሄራህ፡ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ 4x100 ሜትሮ ናይ መወዳእታ ውድድራ ከተካይድ ምዃና ድማ ተገሊጹ።