እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጄፍ ቤዞስ ናብ ወርሒ ዝግበር ጉዕዞ ንምቁጽጻር ክልተ ቢሊየን ዶላር ኣቕሪቡ
ሃብታም ዓለምና ጄፍ ቤዞስ ናብ ወርሒ ዝግበር ጉዕዞ ንምቁጽጻር ንናሳ ክልተ ቢሊየን ዶላር ክኸፍል መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ናሳ ኩባኒያ ቤዞስ ዘቕረበሉ መጠን ገንዘብ ነጺጉ ምስ ትካል ኢለን መስክ ናይ 2.9 ቢሊየን ዶላር ውዕሊ ከምዝኣተወ ይዝከር።
ሕጂ ቤዞስ ዘቕርቦ ዘሎ ገንዘብ ናብ ወርሒ እትጉዓዝ መንኮርኩር ንምስራሕ ምስ ናሳ ውዕል ንኽኣቱ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝኾነ ይግለጽ ኣሎ።
እታ ናብ ወርሒ እትጉዓዝ መንኮርከር፡ ጠፈርተኛታት ሒዛ ኣብ 2024 ክትጉዓዝ እያ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ ናሳ ቅድሚ ሕጂ እዚ ስራሕ ንክልተ ኩባኒያ ዘይኮነ ንሓደ ኩባኒያ ጥራሕ ከይሃቦ ኣይተርፍን ይብሃል።
እቲ ትካል ኣብ ወርሒ ዝዓርፈሉ 3.3 ቢሊየን ዲላር ክህቦ ንኮንግረስ ኣመሪካ እኳ እንተሓተተ ክሳብ ሕጂ ግን 850 ሚሊየን ዶላር ጥራይ እዩ ተዋሂቡዎ።
ቤዞስ ናብ ኣመሓዳሪ ናሳ ቢል ነልሰን ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ “ብሉ ኦሪጅን [ትካል ቤዞስ] ናብ ወርሒ ዝግበር ጉዕዞ ንምሕጋዝ ክሳብ ክልተ ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ከውጽእ ፍቓደኛ’ዩ” ኢሉ።
ኣብቲ ቅድም ኢሉ ዝተኻየደ ሕርያ ናሳ ዘለዎ ባጀት ክልተ ኩባኒያታት ካብ ምምራጽ ከም ዝኣገዶ ተገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ ናሳ እቲ ጨረታ ንትካል ኢለን መስክ ዝኾነ ስፔስኤክስ ዝሃበሉ ምኽንያት ቅድም ኢሉ ዝነበሮ ተልእኾ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ምባሉ ይዝከር።
እቲ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ስርሑ ከምዝተጓናደበ ዝመስል ናሳ፡ ጨረታ ኣብ ዘውጽኣሉ ግዜ ትሑት ገንዘብ ንዘእተወ ትካል ኢለን መስክ ከም ዝሃቦ ይፍለጥ።
ብመሰረት እዚ ትካል፤ ኢለን መስክ ዝኾነ ስፔሴክስ ዘፍርያ መንኮራኹር ጠፈርተኛታት ሒዛ ናብ ወርሒ ክትጉዓዝ እያ።
እዚ መደብ ብ1972 ዓ.ም ናብ ወርሒ ካብ ዝተጉዓዘት መንኮርኩር ኣፖሎ 17 ቐጺሉ ዝግበር ካልኣይ ጉዕዞ ናሳ ክኸውን ትጽቢት ኣሎ።
ሃብታም ዓለምና ቤዞስ ሕጂ ምስ ካልኦት ሰለስተ ትካላት ምርምር ጠፈር ብምዃን ናብዚ ውድድር ክኣቱ እንከሎ፡ ብሉ ሙን ላንደር ዝተባህለ ማሽን ብ1969 ቢል ኣርምስትሮንግን ባዝ ኣልድሪንን ዝተጉዓዝሉ መንኮርኩር ዝመስል ከም ዝስራሕ ይንገር።
ቤዞስ ኣብ ደብዳብኡ “ንመበል 21 ክፍለዘመን ዝምጥን ከምኡ’ውን ቅርጽታት ኣፖሎ ዝሓዘ ማሽን ሰሪሕና ኣለና። እዚ ንድሕነት ቀዳምነት ዝህብ’ዩ” ኢሉ።
ወሲኹ እቲ ብሉ ሙን ዝተባህለ ትካል ሓይሊ ሃይድሮጅን ከመይ ከም ዝጥቀም ዝገልጽ ሓሳብ ኣብ ደብዳብኡ ኣስፊሩ።