ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ዝኸውን 3 ሚልዮን ብር ኣዋጺኦም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብመንገዲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ገንዘብ ንምውጻእ ዝተመስረተ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ልዕሊ 70 ሽሕ ዶላር [ልዕሊ 3 ሚልዮን ብር] ከም ዘዋጽኡ ክፍሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ህዝባዊ ርክባት ኣቶ ሞጎስ መኮነን ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ብማእከላይ ገምጋም 1500 ዶላር ይዋጻእ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ጸብጻብ ብደረጃ ኣህጉር ኣብ ኣፍሪቃ፣ ሰሜን ኣሜሪካን ዝበዝሐ ገንዘብ ይዋጻእ ምህላዉ ጠቂሱ።
ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝነብሩ ልዕሊ 50 ሽሕ ዶላር ክዋጻእ እንከሎ፤ ብሓፈሻ እቲ ገንዘብ ካብ ልዕሊ 600 ሰባት ዝተረኸበ ምዃኑ ተሓቢሩ።
እቲ ናይ ምውጻእ መስርሕ ዋላ እኳ ናይ ግዜ መቃን እንተዘይተቐመጦ ሓደ ሚልዮን ዶላር ንምእካብ ተተሊሙ ምህላዉ እቲ ሓላፊ ገሊጹ።
እቲ ሓላፊ ብምስዓብ “ነዚ ኣጀማምርኡ ብምርኣይ እቲ ሓደ ሚልዮን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክኣክል ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ” ኢሉ።
ኣቶ ሞጎስ እቲ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ዝግበር ዘሎ ናይ ገንዘብ ምውጸእ፡ ነቶም ኣብ ደገ ዝነብሩን ኣብ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከበርክቱ ዝደልዮን ‘ንሃልኮም ንምቅላን’ ተሓሲቡ ከም ዝተገበረ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ክሕግዝ ምስ ዝደሊ ነዊሕ ሰዓታት ብመኪና ወይ ብኻልእ ዓይነት መጓዓዝያ ተጓዒዙ ናብ ኢምባሲታት ወይ ቆንስላት ናይ ኢትዮጵያ ክኸይድ ይግደድ ከም ዝነበረ ዝሕብር ኣቶ ሞጎስ ሓጂ ግን እቲ ኣገባብ ከም ዝሓጸረን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ሓገዞም የበርክቱ ከም ዘለዉን ጠቂሱ።
እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ቅድሚ 10 ዓመት ካብ ዝጀመረሉ ኣትሒዙ ብመንገዲ ናይ ቴሌፎን፣ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፣ ብመልክዕ ቦንድን ካልእ ኣገባባትን ገንዘብ ክዋጻእ ጸኒሑ እዩ።
ኣቶ ሞጎስ፡ እቲ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ዝተጀመረ ናይ ገንዘብ ምውጻእ ዝሃቦ ውጽኢት ብምርኣይ ”ኣብ ዝኾነ ጫፋ ናይዛ ዓለም ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ኾነ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ነቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ሓገዝ ዘበርክተሉ ዕድል ክጽበ ከም ዝጸንሐ ዘርኢ’ዩ” ኢሉ።
እቲ ገንዘብ፡ ኢትዮጵያ ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ትፍተነሉ ዘላ ይዋጻእ ምህላውን ዓቢ ግድን ህዳሰ ቀልጢፉ ንኽዛዘም ዝሕግዝ ምዃኑን ኣቶ ሞጎስ ሓቢሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
