ጸወታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ

ሎሚ ካብ ሰዓት 11:45 ጀሚሩ ኣብ ስታድዮም ባህርዳር ዝተኻየደ ጸወታ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ።
ጸወታ ቅድሚ ዕረፍቲ ብዘይ ሽቶ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 3 ሽቶታት ዘመዝገበን ብሸቶ ነቲ ውድድር ዝመርሖ ዘሎን ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓሊ ሱሌማን ኣብ መበል 81 ደቒቕ ብጸጋሙ ዝቐልዓ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መሪሕነት ከተትሕዛ እንከላ ንዕኡ ኸኣ ኣብዚ ውድድር ራባዓይቲ ሽትኡ ኮይናትሉ።
ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ጸወታ ቅድሚ ምውድኡ ሸቶ ንምምዝጋብ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣብ መበል 90 ደቒቕ ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣቡበከር ናሲር ሸቶ ኣመዝጊቡ ጸወታ ሓደ ብሓደ ብምዝዛሙ ብዘይ ተወሳኺ ግዜ ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሐን።
ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣቡበከር ናሲር ኣብዚ ውድድር ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ንዓሊ ሱሌማን ተኸቲሉ ብብዝሒ ሽቶ ኣብ ካልኣይ ተቐሚጡ ዘሎ እዩ።
ኣብ ፍጹም ቅላዕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 3 ብ2 ብምዕዋታ ካብ ሃገራውያን ጋንታታት ኡጋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝስዓረት ንሓሙሻይ ደረጃ ክትጻወት እያ።
ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህርዳር ካብ 17 ሓምለ 2021 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ምድብ ክልተ ዝተገለፋ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንካልኣይ ግዜ እየን ሎሚ ጸወታ ኣካይደን።
ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ኣብ ሰለስተ ምድብ ዝተመደባ ትሽዓተ ሃገራት እየን ዝሳተፋ ዘለዋ።
ብመሰረት ኣቀዲሙ ዝወጽአ መደብ፡ ካብ ምድበን ቀዳሞት ኮይነን ዝወጽኣ ብቀጥታ ክሓልፋ እንከለዋ ካብተን ካብ ምድበን ካልኣይ ኮይነን ዝዛዘማ ሰለስተ ሃገራውያን ጋንታታት ኸኣ እታ ዝሓሸ ነጥቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ዝቅጽል ምድብ ትሓልፍ።
ካብቲ ኡጋንዳ ታንዛንያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝነበረኦ ቀዳማይ ምድብ፡ ሃገራዊት ጋንታ ታንዛንያ ብኣርባዕተ ነጥቢ ቀዳማይቲ ኮይና ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሰጊራ።
ካብቲ ብሩንዲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረኦ ካልኣይ ምድብ ኸኣ ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ ብኣርባዕተ ነጥቢ ከትሰግር እንከላ ካብቲ ኬንያ ደቡብ ሱዳንን ጅቡትን ዝነበረኦ ሳልሳይ ምድብ ኸኣ ኬንያ ብሽዱሸተ ነጥቢ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሰጊራ።
ደቡብ ሱዳን ድማ ሰለስተ ነጥቢ ብምውህላል ነተን ካብ ምድብ ሓደን ክልተን ካልኣይ ኮይነን ዝዛዘማ ሃገራውያን ጋንታታት ኡጋንዳን ኢትዮጵያን በሊጻ ናብ ርብዒ ፍጻመ ሰጊራ።
ጅቡቲ ኣብ ክልተ ናይ ምድብ ጸወታ ኣብ ክልቲኡ ተሳዒራ ካብዚ ውድድር ብቀጥታ ክትግለፍ እንከላ፡ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ካብ ሓሙሻይ ክሳብ ሻሙናይ ደረጃ ንምሓዝ'የን ጸወታ ዘካይዳ ዘለዋ።
እዚ ሎሚ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ዝተራእየ ኣወዳድባ ሴካፋ ብዙሓት ተንተንቲ ስፖርት ዘይንቡርን ቅድሚ ሕጂ ዘይተራኣየን ምዃኑ እዮም ዝገልጽዎ ዘለዉ።
ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ናይ ምድብ ጸወታ ኣካይደን ምንባረን ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓሊ ሱሌማን ሃትሪክ ኣብ ዝሰርሓሉ ጸወታ 3 ማዕረ ምዝዛሙ ዝዝከር እዩ።
ሎሚ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ’ውን ሃገራውያን ጋንታታት ኡጋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን'ውን ክራኸባ እየን።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
