ኣብ መንበሪ ገዛ ብግዕዝይና ዝተጠርጠሩ ሩስያውያን ፖሊስ፡ ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ ሽቓቕ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ብወርቂ ዝተለበጠ ሽቓቕ

ምንጪ ስእሊ, sledcom.ru

Published

መርመርቲ ሩስያ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ብግዕዝይና ዝተጠርጠሩ ፖሊስ ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ ሽቓቕን ካልኦት ክቡራት ኣቑሑትን ከምዝረኸቡ ኣፍሊጦም።

እቶም ተመርመርቲ ኣብቲ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ መንበሪ ገዛ ብዘካየድዎ ሃንደበታዊ ተፍትሽ፡ ብግዕዝይና ዝተጠርጠሩ ጉጅለ ትራፊክ ፖሊስ ሒዝና ኢሎም።

ኮሚቴ እቲ ምርመራ ወግዓዊ ዝገበሮ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ከምዝሕብሮ፡ እቲ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ ገዛ ብኽቡርን ፍልይ ብዝበለ ንዋያትን ዝተመልአ እዩ።

ሓላፊ ትራፊክ ፖሊስ ግዝኣት ደቡብ ስታቭሮፖል ኮሎኔል ኣሌክሴ ሳፎኖቭ ሓዊሱ፡ ካልኦት ሽድሽተ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

እቶም ትራፊክ ፖሊስ ናይ ንግዲ ኣቑሑት ንዘመላልሱ ገናሕቲ መኻይን ስኑዕ ፍቓድ ብምሃብ፡ ብላዕ ከምዝተቐበሉ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ በቲ ዝህብዎ ስኑዕ ፍቓድ፡ እቶም ዘወርቲ መኻይን ዘይተፈቐዱ ፅዕነታት እኽልን መሳርሒ ህንፃን ፅዒኖም፡ ብኬላታት ፖሊስ ከምዝደለዩ ክሓልፉ ከምዘኽኣሉ ተገሊፁ።

እንተኾነ እቶም ጥርጡራት ኣብቲ ዝተኸሰስሉ ገበን፡ ዛጊድ ዝሃብዎ ምላሽ የለን።

ኣብ መላእ ሩስያ ሰሜናዊ ካውካሰስ፡ ሓይልታት ፖሊስ ኣብቲ ወፍሪ ፀረ ብልሽውና ተሳቲፎም እዮም።

ክቡር ህንፃ

ምንጪ ስእሊ, sledcom.ru

ብወርቂ ዝተሰርሐ ክሽነ

ምንጪ ስእሊ, sledcom.ru

ኣብቲ ክቡር ህንፃ ዝርከብ መደቀሲ ክፍሊ

ምንጪ ስእሊ, sledcom.ru

እቲ ኮሚቴ ኣብ ቤት-ፅሕፈታት ፖሊስ ሓዊሱ ኣብ 80 ከባብታት ተፍትሽ ብምክያድ ፡ ብዙሕ ገንዘብን ክቡራት መኻይንን ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።

ብተምሳሌት ትካል ስለያ ኣሜሪካ (FBI) ዝተጣየሸ ኣካል መንግስቲ ሩስያ ዝኾነ "ኤስ ኬ''፡ ሓላፊ እቲ ጉጅለ ትራፊክ ፖሊስ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመታት ልዕሊ 19 ሚልየን ሩብልስ ማለት'ውን፡ 255 ሽሕ ዳላር ብብላዕ ረኺቡ ኢሉ።

ሓላፊ እቲ ጉጅለ፡ ገበነኛ ኮይኑ እንተድኣ ተረኺቡ፡ ክሳብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረድ ከምዝኽእል ተገሊፁ። ቅድሚ ሕዚ ሓላፊ ትራፊክ ፖሊስ ዝነበረ ኣሌክሳንደር ኣርዛኑኪ እውን ካብ ሞንጎ እቶም ዝተኣሰሩ እዩ።

ኣብ ክሬምሊን ኣባል ባይቶ ውድብ ሩስያ ዝኾነ ኣሌክሳንደር ኪንሽቴይን ብወገኑ፡ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 35 ፖሊስ ትራፊክ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ገሊፁ።

"ኣብ ስታቭሮፖል ዘስደምም ጉጅለ ጉሒላ ካብ ኩሉ ነገር የትርፍ ኔሩ። ካብ ፀሊም ዕዳጋ፣ ፍቓድ ታርጋ፣ ኣቑሑ ካርጎ፣ ፍርያታት ሓሸዋን ካልኦትን፡ ልዑል ገንዘብ የትርፉ ኔሮም" ኢሉ።