'ምስ ሙሉእ ጥዕና እየ ዘለኹ' ይብል ድሃይ ኣጥፊኡ ዝቐነየ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ

ምንጪ ስእሊ, ENA/SCREEN GRAB
ድሕሪ ነዊሕ እዋን ብመንገዲ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብህዝቢ ዝተራእየ ኤታማጆርሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ጠፊኡ ዝፀንሐ፡ ብምኽንያት ፃዕቂ ስራሕ እምበር፡ ኣብ ሙሉእ ጥዕና ከምዝርከብ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት፡ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትኢትዮጵያ ዝኾነ ጀነራል ብርሃኑ: ብኸቢድ ሓሚሙ ዝብልን ካልኦትን ወረታት ብዛዕባኡ ክናፈሱ ፀኒሖም’ዮም።
ትማሊ ሰኑይ ብኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ድሕሪ ምቕራቡ ቢቢሲ ዘዘራረቦ እቲ ጀነራል፡ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ርሒቑ ዝፀንሐ ኣብ ልዑል ፀቕጢ ስራሕ ስለዝፀንሐ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ኣብ ጥዕንኡ ዋላ ሓደ ዘጋጠሞ ፀገም ከምዘየለ ብምሕባር ድማ፡ “ ሚእቲ ብሚእቲ ኣብ ፅቡቕ ጥዕና እየ ዘለኹ” ኢሉ።
ጀነራል ብርሃኑ፡ ብዛዕብኡ ክላባዕ ብዛዕባ ዝፀንሐ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ “ሰብ ብሓሳብ እንክፈላለን ብዓይኒ ፀላኢ እንክረአአን፡ ፀላእየይ እዩ ንዝበሎ ወገን ፅቡቕ ነገር ኣይሓስብን። እዚ ምሳና ይገጥሙ ናይ ዘለዉ ሓይልታትን ፈተውቶምን ትምኒት እዩ። ኣብ ጉዳይ ጥዕናይ ካባይ ንላዕሊ ዝፈልጥ ጠንቋሊ ዘሎ ኣይመስለንን። ሕማም ርእሲ እኳ የብለይን” ብምባል ነቲ ክናፈስ ዝቐነየ ወረ ነጺግዎ።
ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ካብ ናይ ውልቁ ጉዳያት ወጻኢኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት’ውን መብርሂ ሂቡ።
ንሱ፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ካብ ትግራይ ዝወፀሉ ምኽንያትን፡ ክምለስ ዝኽእለሉ ነጥብታትን ተዛሪቡ።
“መንግስቲ ብዝሃቦ ፖለቲካዊ ውሳነ ኢና፡ ካብ ትግራይን ካብ መቐለን ወፂእና። እቲ ውሳነ ልክዕ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ከምኡ’ውን ንስለ ህዝቢ ትግራይ ኢሉ ዝኸፈሎ መስዋእቲ እዩ ኢልና ንኣምን። እዚ ልኡኽ ተቐቢልና ኢና ወፂእና” ኢሉ።
ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ውግእ እቲ ሰራዊት የዕርፍን መሊሱ ይወዳደብን ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ጀነራል፡ ናይ ስልጠና ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ ተዛሪቡ።
“ምድላዋትና ብልዑል ኩነታት ንውግን ኢና ዘለና። መንግስቲ ንዝህበና ተልእኾ፡ ድሉዋት ኮይንና ንፅበ ኢና ዘለና” ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ “ክሳብ ሕዚ ንህዝቢ ትግራይ ዘሳቐዮ ስለዝኣክል፡ ደው ኢሉ ሓሲቡ መንግስቲ ዘመቻቸዎ በይንኣዊ ተኹሲ ተቐቢሉ፡ ንሱ’ውን ተኹሲ ደው ብምባል ዝደልዮ ፖለቲካዊ ሕቶ እንተልዩ ክደራደር ከምዘለዎ ኢና ንምዕድ” ክብል ተዛሪቡ።
“ብቅድመ ኩነት ዝተጋየፀ ሰላም ኣይርሕውን፤ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ደርዲሩ ‘ኣብዚ እቶ እሞ ክንላዘብ’ ዝብል እንተልዩ ሕራይ ዝብል የለን። ሓደ ነገር ክትገብር ከለኻ፡ እቲ ካልእ’ኸ እንታይ ይገብር ዝብል ምሕሳብ ፅቡቕ እዩ” ኢሉ።
“ነገራት ብጉልበት ዝቕፅሉ እንተኾይኖም፡ ሰራዊት ምክልኻል እቲ ኩናት እንክንጅምር ልዕሊ ዝነበረ ደረጃ ፅኑዕ፣ ልምዲ ውግእ ዘለዎን ብፅቡቕ ዝተዓጠቐን እዩ፤ ትእዛዝ መንግስቲ እዩ ዝፀበ ዘሎ። ሕዚ ብዘለውዎ መንገዲ እንድሕር ዝቕፅሉ ኮይኖም፡ ከምዝለመድናዮ ምግባርና ኣይተርፍን” ኢሉ።
እቲ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ከምዝኾነ ዝሓበረ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ “ውፃእ ክንበሃል ንወፅእ፤ እቶ ክንበሃል ንኣቱ” ኢሉ።
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ግና፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣንፀባራቒ ዓወት ከምዝሓፈሱን እቲ ሰራዊት ተደፊኡ ካብ ትግራይ ከምዝወፅአን እዮም ዝገልፁ።
መንግስቲ ፌደራል ሓይልታቱ ካብቲ ክልል ኣብ ዝወጸሉ ዝነበረ እዋን በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ምእዋጁ ይዝከር።
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብወገኖም፡ ተኹሲ ደው ንምባል በዓል ሸውዓተ ነጥቢ ቅድመ ኩነት ዘቐመጡ እንትኾኑ፡ ነዚ ቅድመ ኩነት ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዝተውሃበ ወግዓዊ ምላሽ የለን።
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2021 ጀሚሩ ካብ ዘካየድዎ ዘለዉ ሓድሽ ወፍሪ ንነዘ፡ ንርእሰከተማ መቐለ ሓዊሱ፣ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ብርክት ዝበለ ከባብታትን ትግራይ ምቁፅፃሮም ይፍለጥ። ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ክሳብ ዝወፅኡ ድማ ምውጋእ ከምዝቕፅሉ ገሊፆም’ዮም።
መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ፡ “እቲ መጥቃዕቲ ዝቕፅል እንተድኣ ኮይኑ፡ ዘድልይ ዘበለ ስጉምቲ ከምዝወስድ” ከጠንቅቕ ምጽንሑ ይፍለጥ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
