እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንፕረዚደንት ኣልሲሲ ዝነቐፈ ጋዜጠኛ ተኣሲሩ
ፍሉጥ ግብጻዊ ጋዜጠኛ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንፕረዚደንት ኣል ሲሲ ብምንቃፉ ተኣሲሩ።
ኣብ ግብጺ ካብ ዝፍለጡ ጋዜጠኛታት ሓደ ዝኾነ ዓብዱናስር ሰላማ ፕረዚደንት ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ካብ ስልጣን ይውረድ ክብል ብምዝራቡ ተኣሲሩ።
ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ከም ዝሓበርኦ፡ ጋዜጠኛ ዓብዱናስር ኣብዚ እዋን ናይ ግብረ-ሽበራ ክሲ ተመስሪትዎ’ሎ።
ንሱ፡ ኣልሲሲ ብፍላይ ምስ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝተሓሓዝ ዘርኣዮ ዕሽሽ ምባል ኣመልኪቱ ብፌስቡክ ኣብ ዘሕለፎ ነቓፊ መልእኽቲ፡ እቲ ፕሬዝደንት ካብ ስልጣን ክወርድ ሓቲቱ።
ግብጺ እቲ ብኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ንዝብጽሓኒ መጠን ማይ ክጸልዎ እዩ ብዝብል ዘለዋ ስግኣት ብተደጋጋሚ ትገልጽ ምህላዋ ይፍለጥ።
እንተኾ እዚ ስግኣታ ንምትራፍ ዛጊድ ምስ ኢትዮጵያ ዝበጽሓቶ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ የለን።
ጋዜጠኛ ዓብዱናስር ሰላማ ከኣ ነዚ ጉዳይ ብምልዓል ነቲ ፕረዚደንት ከም ዘናሸዎ ይግለጽ ኣሎ።
ዓብዱናስር ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ብኣባላት ጸጥታ ግብጺ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓለ ኮይኑ ንግብረሽበራ ብገንዘብ ብምድጋፍን ኣባል ዘይሕጋውያን ትካላት ምዃንን ዝብሉ ክስታት ቀሪቦምሉ ኣለው።
ተጣበቕቲ መሰላት ብወገኖም እቲ ብኣልሲሲ ዝምራሕ መንግስቲ ነቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝነቕፉ ጋዜጠኛታት ዝበጽሕ ምፍርራሕን ምንግልታዕን ደው ከብል ብተደጋጋሚ ሕቶ የቕርቡ።