እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩዕሶ እግሪ፡ ኣፍሪቃ ዋንጫ ዓለም ኣብ ክልተ ዓመት ንኽካየድ ዝቐረበ ውጥን ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ
ኣፍሪቃ እቲ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ጊዜ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ዋላ’ኳ ምስ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጋጮ እንተኾነ በብክልተ ዓመት ንኽካየድ ዝቐረብ ዘሎ ሓሳብ ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ።
ፕረዚደንት ኮንፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ፓትሪስ ሞትሴፔ እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ነቲ ሓድሽ ውጥን ከምዝድግፍ ሓቢሩ።
“ላዕለዋይ ኣካል ካፍ ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ውሳነ ዘለዎ ደገፍ ይገልጽ” ኢሉ ብድሕሪ’ቲ ኣብ ሞሮኮ ዝተገበረ ኣኼባ ላዕለዎት ኮሚቴ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
“ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ከቢድ ፋይናንሳዊ ጸገማት፣ ሕጽረት መሰረተ-ልምዓትን ቀረባትን ኣብ ግምት ብምእታው ዋንጫ ዓለም ኣብ ክልተ ዓመት ብምክያዱ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ተረባሒ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኢሉ።
ብመሰረት ሓድሽ ውጥን ኣብ ክልተ ዓመት ክካየድ እንተኺኢሉ ንገንዘባዊ እቶት ፊፋ ክብ ከብሎ ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።
ተስፋ ኣፍሪቃ ከኣ እቶት ፊፋ ክውስኽ ኣብ ዝኽእለሉ እዋን ክርከብ ዝኽእል ክፍፍል ገንዘብ ኮይኑ፤ እቲ ዝርከብ ገንዘብ ስፖርታዊ ልምዓት ንምስላጥ ከምዝሕግዝ ይእመን።
ኣፍሪቃ ንዋንጫ ዓለምን ኣፍሪቃን ብኸመይ ክተእንግድን ክትዳለውን ትኽእል ኣብ ዝብል ጉዳይ ግን እቲ ፕረዚደንት ዝሃቦ ዝርዝር መብርሂ የለን።
“እቲ ኣብ ክልተ ዓመት ሓደ ጊዜ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ዝምልከት ብፊፋ ስለዝውሰን ብዛዕባ ኣካይድኡ ብዕምቆት ክርእይዎ እዮም። ንሕና ከኣ ንጉዳይ ዋንጫ ኣፍሪቃ በቲ ትኽክለኛ መገዲ ክነኺዶ ኢና” ክብል ገሊጹ።
ዋንጫ ዓለም ኣብ ክልተ ዓመት ክካየድ ዝቐረበ ውጥን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ክቐርብ ከሎ 166 ሃገራት ድጋፈን እንተረጋግጻ 22 ከኣ ተቓዊመንኦ ነይረን።