ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰሙን ብ43 ሚኢታዊት ወሲኹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ብኮቪድ-19 ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ብ43 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
“ኣብተን ብሰፊሕ ዝተጸለዋ ሃገራት ዝርከቡ ሆስፒታላት ክጻወርዎ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ ከምዝበጽሑ ዘመልክት ንጹር መጠንቀቕታ እዩ” ኢላ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ማትሺዲሶ ሞቲ።
ብዙሓት ሃገራት ሕጽረት ኦክስጅን፣ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምናን ሰብሞያን ኣጋጢምወን ኣሎ።
ናሚብያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቱኒዝያ፣ ዩጋንዳን ዛምቢያን ዝለዓለ ሞት ዝተመዝገበለን ሃገራት ከምዝኾና መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።
ሰብሞያ ሕክምና እቶም ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ቀልጢፎም ክሓውዩ ብዝብል ዴክሳሜታዞን ዝበሃል ዓይነት መድሓኒት ይህብዎም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
እቲ መድሓኒት ብቬንትሌተር [ንምትንፋስ ዝሕግዝ ማሽን] ዝሕገዙን ድጋፍ ኦክስጅን ዘድልዮምን ሰባት ከጋጥሞም ዝኽእል ሞት ከምዝንክይ ይግለጽ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 150,000 ሞትተመዝጊቡ’ሎ። እዚ ከኣ ኣብ ዓለም ካብ ዝተመዝገበ ነቲ 4 ሚኢታዊት ይሽፍን።
ዝዓነዉ ክታበታት
ብኻልእ ወገን ኣብ ኣፍሪቃ 450,000 ክታበት ኮሮናቫይረስ ክዓንው ከምዝተገበረ ተገሊጹ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ኣብ ትሸዓተ ሃገራት ከምዝኾነ ሓደ በዓልስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።
ኣብቲ ውድብ ሓላፊ ፕሮግራም ክታበት ኣፍሪቃ ዶክተር ሪቻርድ ሚሂጎ፤ ኣብ ምጉዕዓዝ ክታበት ኣስትራዜኔካ ዝነበረ ምድንጓይ ከም ቀንዲ ምኽንያት ይጠቅስ።
“እቶም ክታበታት ባኺኖም ዘይኮኑስ መዓልቲ ኣገልግሎቶም ሓጺር ብምንባሩን ብቕልጡፍ ናብ ተጠቀምቲ ምብጻሕ ኣጸጋሚ ብምዃኑን እዩ” ክብል ኣረዲኡ።
ማላዊ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ላይቤሪያ፣ ሞሪታኒያ፣ ጋምቢያ፣ ሰራሊዮን፣ ጊኒ፣ ኮሞሮስን ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ነቲ ክታበታት ዘዕነዋ ሃገራት’የን።
ኣብታ 1.2 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ዛጊት ዝተኸተቡ ሰባት 8 ሚልዮን ጥራሕ እዮም።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
