ጆ ባይደን ካብ ሩስያ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ንዝፍፅሙ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሃገሩ ካብ ሩስያ ንዝፍኖ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል፡ “ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ” ከምትወስድ ኣጠንቂቑ።

ከም ሓበሬታ ዋይት ሃውስ፡ ካብ ሩስያ ንዝፍኖ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምምካት፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ስጉምቲ ከምዝውሰድ እዩ፡ ፕረዝደንት ባይደን ገሊፁ ዘሎ።

እንተኾነ ሩስያ ንክሲ ኣሜሪካ ኣይትቕበሎን።

ፕረዝደንት ኣሜሪካን ሩስያን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጄኔቫ ምርኻቦም ስዒቡ፡ ትማሊ ዓርቢ ንሓደ ሰዓት ብስልኪ ኣውጊዖም።

ኣሜሪካ፡ ካብ ሩስያ ዝብገሱ መጥቃዕትታት ሳይበር ይውስኹ ከምዘለዉ እያ ትገልፅ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ን 1500 ትካላት ዘልመሰ መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዝተፈፀመ ይዝከር።

ነቲ ናይ ስልኪ ዝርርብ ስዒቡ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መብርሂ ዝሃበ ጆ ባይደን፡ “ካብ ሩስያ መጥቃዕቲ እንክፍኖ፡ ዋላ’ኳ ብመንግስቲ ሩስያ ዝድገፍ እንተዘይኮነ፡ ካብ ሩስያ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ስለዝኾነ ጥራሕ፡ መንግስቲ ሩስያ ስጉምቲ ክወስድ ንፑቲን ግልፂ ጌረሉ እየ። መረዳእታ ክሳብ ዝሃብናዮ ድማ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ” ኢሉ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ሩስያ ኮይኖም መጥቃዕቲ ሳይበር ንዝፍፅሙ ሰርሰርቲ መጥቃዕቲ ክትፍፅም ድያ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ባይደን፡ “እወ” ዝብል መልሲ ሂቡ።

ምምሕዳር ፑቲን ብወገኑ፡ “ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሳይበር ተፈፂሙኒ ኢላ ንሩስያ ሓበሬታ ሂባ ኣይትፈልጥን” ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ናይ ስልኪ ዝርርብ ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ፑቲን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ “ ሩስያ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል ድልውቲ እያ። እንተኾነ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጥቃዕቲ ሳይበር ዝምልከት ሓበሬታ ኣይለኣኸትልናን” ክብል ገሊጹ።

ሓደ ስሙ ዘይተፀርሐ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኣሜሪካ ድማ፡ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ሳይበር ንሩስያ ተደጋጋሚ ሓበሬታ ከምዝተውሃባ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ሩስያ፡ ክልቲአን ሃገራት፡ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል ካብ ፖለቲካ ናፃ ዝኾነ ሞያውን ዘላቕን ርክብ ከምዘድልየን ገሊፃ ኣላ።

ኣሜሪካ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊኣ ካብ ሞንጎ ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታ ሳይበር እቶም ከበድቲ ካብ ሩስያ ዝተፈነዉ ምዃኖም እያ ትገልፅ።

ክፍሊ ድሕንነት ሩስያ ብዛዕባ እቶም መጥቃዕትታት ሓበሬታ ኣለዎ እዩ፡ ኢላ ድማ ትኣምን።

ክልቲኦም ፕረዝደንታት ኣብ ዝገበርዎ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ መጥቃዕትታት ሳይበር ንምክልኻል፡ ሓበሬታ ክለዋወጡን ክተሓባበሩን ከምዝተሰማምዑ ጆ ባይደን ገሊፁ።

“ፅቡቕ ልዝብ እዩ ተኻይዱ። ተስፋ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ፡ ፕረዝደንት ጆ ባይደን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተራኸብሉ ግዘ ካብ ሞንጎ ዘልዓልዎም ነጥብታት እቲ ሓደ፡ መጥቃዕቲ ሳይበር ምክልኻል ዝብል ኔሩ።

ሻቡ፡ ጆ ባይደን፡ መጥቃዕቲ ክፍፀሞም ኣይግባእን ዝበሎም 16 ዘፈራት ንፑቲን ምሃቡ ፀብፃባት ይገልፁ።

እንተኾነ ድሕሪ እዚ፡ ኣብ ሩስያ ወይ ድማ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ከምዝርከብ ዝግመት ሰርሳሪ ጉጅለ ‘ሬቭል’፡ ሓያል መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ይፍለጥ።

እዚ መጥቃዕቲ ምስተፈፀመ፡ ጆ ባይደን ኣብ ጉዳይ ድሕነት መጥቃዕቲ ሳይበር ከትኩር ፀቕጢ ኣሕዲርሉ እዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ልዝብ፡ ኣብ ሶርያ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ ከምዝተሰማምዑ ዋይት ሃውስ ገሊፁ ኣሎ።

እዚ ከኣ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ሃዲኡ፡ ንምትሕብባር ድሉዋት ምዃነን ዘመልክት እዩ ተባሂሉ።