ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ገና ይመጽእ ኣሎ - ውድብ ጥዕና ዓለም

ምንጪ ስእሊ, AFP
Published
ውድብ ጥዕና ዓለም ደልታ ዝተባሃለ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይላባዕ ብምህላዉ ዜጋታት ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።
ሃገራት ድማ ንዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ምግታእ ዝሕግዝ ክታበት ክሳብ ዝበጽሐን ኣብ ናይ ምክልኻል ስጉምትታት ከድህባ ኣዘኻኺሩ’ሎ።
ናይ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሰነ ብኹነታት ለብዒ ኮሮናቫይረስ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ጊዜ ከምዝነበረ ጸብጻባት እቲ ትካል የመልኪቱ።
ዞባዊ ዳይሬክተር እቲ ውድብ ዶክተር ማትሺዲሶ ሞየቲ ከምዝበለቶ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ዝረኣይ ዝርግሐ እቲ ሓድሽ ቫይረስ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ 18 መዓልቲ ብዕጽፊ ይውስኽ ኣሎ።
ስለዝኾነ እቲ ሳልሳይ ማዕበል ገና ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሰሙናት ክኽሰት ይኽእል’ዩ ኢላ።
ኣብ ከም ናሚቢያን ቱኒዝያን ዝበላ ሃገራት ዝርከባ ሆስፒታላት ብቑጽሪ ሕሙማት ከምዘዕለቕለቓን ልዕሊ ዓቕመን ከምዝኾነን ተገሊጹ።
ካብ ሓፈሻዊ ህዝብታት ኣፍሪቃ ትሕቲ 2 ሚኢታዊት ጥራይ ክታባት ኮሮናቫይርስ ኣብ ዝረኸቡሉ እዚ እዋን ብዙሓት በቲ ሕማም ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ጸገም ጥዕና ወዲቖም ኣለዉ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ካብ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ዝልገስ ክታበት ብኮቫክስ ኣቢሉ ናብተን ሃገራት ከምዝቐርብን: እተን ሃገራት ዘለወን ዓቕሚ ወፍሪታት ክታበት ክዓብይ ከምዝኽእልን ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
