መረጻ 2021፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ 'ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ' መስርሕ ምሃብ ድምጺ ተቛሪጹ ነይሩ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፡ ወረዳ ጃዊ ኣብ ጥቓ ክልል መረጻ ኖኖ ኣብ ዝርከቡ ክልተ ነቑጣታት መረጻ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ብምሟቶም መስርሕ ምሃብ ድምጺ ተቛሪጹ ከም ዝነበረ ምንጪታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም ኣብ ጥቓ እተን ክልተ ጣብያታት መረጻ ዝተቐተሉ ሰባት ሓደ ኣባል ሚልሻ፣ ሓደ ኣባል ፖሊስ ኦሮምያን ካልእ በዓል ስልጣን እቲ ከባብን እዮም።
ኣፈጻጽማ እቲ መረጻ አመልኪታ ትማሊ ምሸት ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃበት ኣካቢት ቦርድ መረጻ ብርቱኳን ሚደቅሳ "ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፡ ክልል መረጻ ኖኖ ኣብ ክልተ ነቑጣታት መረጻ ዕጡቓት ስለ ዝረበሹ ስነ ስርዓት ምሃብ ድምጺ ተቛሪጹ ነይሩ" ኢላ፡፡
ወሲኻ ድማ ‘‘ካብዚ ወጻኢ፡ እዚ ዝበሃል ጸገም ጸጥታ የለን’’ ኢላ።
ኮይኑ ግና ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓላፊ ቦርድ መረጻ እቲ ከባቢ፡ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም፤ መስርሕዲ ምሃብ ድምጺ ድማ ተቛሪጹ ነይሩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ቢቢሲ ካብ ካልኦት ምንጭታት ከም ዘጻረዮ፡ ኣብ ወረዳ ሊበን ጃዊ ኣጋል ጎቦ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ካብ ሰዓት 3፡00 ክሳብ 5፡00 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰባት ተቐቲሎም እዮም፡፡
"እቲ ጸገም ኣብተን ክልተ ጣብያታት መረጻ እዩ ኣጋጢሙ’’ ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ እተን ጣብያታት መረጻ ኑኑ ባሳሌን ኣጋል ጎቦን ከም ዝኾና ገሊጹ፡፡
እቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ዘረጋገጸ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ኣቶ ድሪርሳ ድማ፡ እቲ መረጻ ክካየድ የብሉን ዝበሉ ዕጡቓት ካብ ሰንበት ምሸት ጀሚሮም ምንቅስቓስ ይገብሩ ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ።
"በቲ መጥቃዕቲ ዝሞተ ሓደ ሰብ ኣባል ሚልሻ እዩ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ንስራሕ ዝተመደበ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ እዩ" ኢሉ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፡ ሜታ ወልቂጤ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ወረዳ፡ ዕጡቓት ሸነ ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ 9 ኣብ ስራሕቲ መገዲ ዝተዋፈሩ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
