ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሓድሽ ፓተርያርክ ቀቢኣ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G/meskel
ሲኖዶስ ኦርቶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ንኣቡነ ቄርሎስ መበል 5ይ ፓትርያርክ ክኸውን ብወግዒ ከምዝሾመቶ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።
እቲ ወግዓዊ ጽንብል ብዙሓት ምእመናን ኣብ ዝሳተፉሉ ቤተክርስትያ ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ ከምዝተፈጸመ'ውን እቲ መግለጺ ወሲኹ ገሊጹ።
ሲኖዶስ ኦርቶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ንኣቡነ ቄርሎስ መበል 5ይ ፓትርያርክ ክኾኑ ከምዝመረጾም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተሓቢሩ ነይሩ።
ብሰንኪ ምእጋድን ምውጋዝን ናይቶም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ 3ይ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ፓትርያርክ ንዓመታት ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ጥሪ 2006 ንፈለማ እዋን ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ንዕኦም ተኪኦም 4ይ ፓትሪያርክ ኮይኖም ዝተመርጹ፡ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015 ካብ ዝሞቱ ንድሓር፡ እታ ቤተክርስትያን በዘይ ፓትርያርክ'ያ ጸኒሓ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G/meskel
ኣብ ሓምለ 2019፡ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ነቶም 3ይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ከም ዘውረዶምን፡ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወገዞምን ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።
ደገፍቶምን ተጣበቕቲን ከምዝብልዎ፡ እቶም ፓትርያርክ፡ ንማእሰርቲ መራሕቲ መንእሰያት "ትምህርቲ ሰንበትን" ዝነበሩ ኣቕሽቲ ብምቅዋሞም'ዮም ካብ ስልጣኖም ክውገዱ ተደልዮም።
ፓትርያርክ ኦርቶዶስክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ንምሉእ ዕድሚኡ ዝሽየም ኮይኑ፡ ብዝሙት፡ ናይ እምነት ክሕደት ወይ ድማ ናይ ኣእምሮ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ጥራይ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ይንገር።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ "ኣብ ከቢድ ዝኾነ ሓለዋ፡ ኣብ ዕጹው ገዛ" ይነብሩ ከምዘለዉ ይግለጽ።
ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝተወሃበን ሃይማኖታት፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፣ ምስልምና፣ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤትክርስትያን እየን።
ብመንግስቲ "ኣፍልጦ ዘይተዋህቦም" እምነታት ዘምልኹ ኤርትራውያን ግን፡ ኣባላት ጸጥታ ካብ ገዝኦም ብሃንደበት ብምውሳድ ንነዊሕ እዋን ከምዝኣስርዎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ብዛዕባ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ስለዘሎ'ዩ እምበር ኤርትራ፡ መሰል ናይ እምነት እተኽብር ሃገር እያ. . . መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታት ኢዱ ኣየእቱን እዩ" ክብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ሕልና እሱራት ከም ዘለዉ ጸብጻባት ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይሕብሩ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
