መራሒ ባልደራስ እስክንድር ነጋ ኣብቲ ተኣሲሩሉ ዘሎ ቦታ ድሕነቱ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, facebook
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ዘሎ ፕረዚደንት ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣይተ እስክንድር ነጋ፡ "ድሕንነቱ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ" እቲ ውድብ ገሊፁ።
ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣይተ ገለታው ዘለቀ፡ እስክንድር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ካብ ዝርከብን ብልሙድ 'ዋይታ' ብዝብል ዝፅዋዕ ናብ ካልእ ክፋል ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ምቕያሩ ስግኣት ከምዝተፈጠረ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ኣይተ ገለታው፡ ስሞም ዘይፀርሖምን "ካብቲ ቤት-ማእሰርቲ ወፃኢ ዘለዉ" ብዝበሎም ወገናት "ብዝተዋደደ ወፍሪ" ምኽንያት፡ ኣይተ እስክንድር ናብ ዞባ ሸሞንተ ከምዝተቐየረ ገሊፁ።
መጋባእያ ሰበር ሰማዒ ጥርዓን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ መሪሕነትን ኣባላትን እቲ ውድብ፡ ኣብ መረፃ ሕፁያት ኮይኖም ክቐርቡ ምብያኑ ስዒቡ'ዩ እዚ ኩነታት ኣጋጢሙ ዘሎ።
ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ቃሊቲ 'ዋይታ' ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ዞባ፡ ሸሞንተ ሰባት ከምዝርከቡ ዝገለፀ ኣይተ ገለታው፡ ኣይተ እስክንድር ሕዚ ዝርከበሉ ዞባ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረሉ ዞባ ዝተፈለየ ከምዝኾነን፡ ፀገም ድሕንነት ከምዝገጠሞን ተዛሪቡ።
"ኣይተ እስክንድር ካብ እሱራት ምፍርራሕን ምጭናቕን በፂሕዎ'ዩ" ብምባል፡ ክሳብ ሕዚ ግና፡ ዝኾነ ይኹን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኡ ከምዘይተፈፀመ ሓቢሩ።
ሕዚ ዝርከበሉ ዞባ ሸሞንተ፡ ብልዑል ገበን ዝተጠርጠሩ ሰባት ዝእሰርሉ'ዩ ዝበለ ኣይተ ገለታው፡ "እስክንድር ተፀገሚ እየ ኢሉ ኣይፈልጥን፤ ልዕሊ ዓቕሙ ስለዝኾነ'ዩ ካብ 'ዋይታ' ንክወፅእ ኣመልኪቱ። ሕዚ ግና ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት'ዩ ዝርከብ" ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊኡ ፈተነ (መጥቃዕቲ) ከምዝተገበረን ካብ ሓደ ሓላፊ ሓለዋ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ዓብይ ስግኣት ከምዘለዎ ከምዝተነገሮን ኣይተ ገለታ ተዛሪቡ።
እቲ ዘሎ ኩነታት "ንህይወተይ ሓደገኛ ከምዝኾነ በቶም ሓለውቲ ተነጊሩኒ'ዩ፤ ኣነ'ውን እዚ ተዓዚበ'የ" ኢሉ፡ ኣይተ እስክንድር ከምዝነገሮ ሓቢሩ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ካብ ምምሕዳር እቲ ቤት-ማእሰርቲ ፍታሕ ንምርካብ ይፅዕሩ ከምዘለዉን፡ ሎሚ መዓልቲ ናብቲ ቤት-ማእሰርቲ ደብዳበ ከምዘእትዉን ገሊፁ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብቲ ቤት-ማእሰርቲ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።
ኣይተ እስክንድር ነጋን ካልኦት ኣባላት እቲ ውድብን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት: ወርሒ ሰነ: ንቅትለት ስሙይ ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ናዕቢ ብዝዛመድ ከምዝተኣሰሩ ይፍለጥ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
