ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰባት መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ክታበት ወሲዶም

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Health
ኢትዮጵያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምሃብ ካብ ዝጀመረትሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰባት ተኸቲቦም።
ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሓት ሰባት በቲ ቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙለን ሓሙሽተ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ካብ 4 መጋቢት 2013 ኣ.ኢ ጀሚራ’ያ ነዚ ክታበት ትህብ ዘላ።
ንሰብ ሞያ ጥዕና ብምኽታብ ዝጀመረቶ ወፍሪ ዛጊት ን1 ሚልዮን 801 ሽሕን 175 ሰባት ተባጺሑ’ሎ።
ዕድሚኦም ልዕሊ 65 ዓመት ዝኾኖምን ሕዱር ሕማማት ዘለዎምን ሰባት ብቐዳምነት ክኽተወቡ ይግበር ከምዘሎ ይግለጽ።
ኢትዮጵያ ብዓለም ለኸ ምትሕብባር ቀረብ ክታበት ኮሮናቫይረስ - ኮቫክስ - 2.2 ሚልዮን ክታበት ኣስትራዜኔካ በጺሕዋ'ሎ።
ኣብታ ሃገር ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ፍቓድ ካብ ሞንጎ ዝረኸቡ ዓይነታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ቻይና ዝፈሪ ሲኖፍርም ይርከቦም።
ክሳብ ወርሒ ሕዳር 2014 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ዘሎ እዋን 20 ሚልዮን ክታበት ብምእታው ናብ ሕብረተሰብ ክባጻሕ ከምዝግብር ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።
ቀዳማይ ዙር ወፍሪ ክታበት ምስተዛዘመ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት እቲ ካልኣይ ዙር ዝወሃብ ኮይኑ፤ እቶም ሓደ ጊዜ ነቲ ክተባት ዝወሰዱ ነቲ ካልኣይ ክወስዱ ግድን ይኸውን።
ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ዛጊት 2.5 ሚልዮን ክታበታት ኣስትራዜኔካን ሲኖፍርምን ከምዝረኸበትን እዚ ድማ ካብ ሓፈሻዊ ህዝባ 1.09 ሚኢታዊት ካብ ህዝባ ጥራይ ከምዝሽፍንን መረዳእታ ማእኸል ቁጽጽር ሕማማት ኣፍሪቃ የመልክት።
ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ሰባት ምርመራ ኮሮናቫይረስ ክግበረሎም ከሎ፤ ልዕሊ 271 ሽሕ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም። 4 ሽሕን 143 ድማ ሞይቶም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
