ኣኽባሪ ሕጊ ኒውዮርክ ፡ ጉዳይ ትራምፕ ብገበናዊ መስርሕ መርመራ ይግበረሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ቤት ጽሕፈት ኣኽባረቲ ሕጊ ኒውዮርክ ናይ ትራምፕ ትካል ብገበናዊ መስርሕ መርመራ ይገበረሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ላዕለወይቲ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ኒውዮርክ ለቲሻ ጀምስ፡ ጉዳይ ትራምፕ ብሲቪላዊ ኣገባብ መርመራ ክርአ ከምዘይክል ገሊጻ።

ለቲሻ ጀምስ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ፕረዚደንትንት ቅድሚ ምድያቡ ንፋይናንስያዊ ውዕልኡ ትከታተል ዝነበረት እያ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ናይ ሕጊ ጉዳዩ ብናይ ዲሞክራትስ ኣኽበርቲ ሕጊ ክረአ ምግባር ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎን ዘይቅኑዑን ምዃኑ እዩ ገሊጹ።

ውሃቢ ቃል ለቲሻ ጀመስ ዝኾነ ፋብያን ለቪ ብሰሉስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንሕና ንናይ ትራምፕ ትካል ብገበናዊ እምበር ብሲቪላዊ ኣገባብ መርመራ ከምዘይንገብረሉ ኣቐዲምና ሓቢርና ኢና" ድሕሪ ምባል፡ "ምስ ናይ ማንሃታን ኣኽበርቲ ሕጊ ብምዃን ኸኣ መርመራና ጀሚርና ኣለና" ኢሉ።

ቤት ጽሕፈት ኣኽበርቲ ሕጊ ኒውዮርክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጉዳይ ትካላት ትራምፕ ካብ ሲቪላዊ ንምንታይ ናብ ገበናዊ ከምዝተሰጋገረን እቲ መርመራ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ድዩ ዝካየድ ኣየነጸሮን።

ጋዜጤኛ ቢቢሲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዊል ግራንት እቲ ኣገባብ መርመራ ናብ ገበናዊ ምስግጋሩ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ርኡይ ጸቅጢ ክፈጥር ከምዝክእል እዩ ዝገልጽ።

ዶናልድ ትራምፕ ካብ ባንኪ ብዙሕ ልቃሕ ንምርካብ መጠን ንብረቱ ክብ ብምባልን ውሑድ ግብሪ መንግስቲ ንምኽፋል ንዋጋ ንብረቱ ብምትሓትን ናብ ባንክታት ሰነዳት ከምዘቕረበ ብምጥርጣር እያ፡ ለቲሻ ጀመስ ኣብ 2019 ኣብ ልዕሊ ትካላት ዶናልድ ትራምፕ መርመራ ጀሚራ ነይራ።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ኒውዮርክ፡ ትራምፕ ኣብ ማንሃታን፤ኒውዮርክ፤ ቺካጎን ሎስኣንጆለስን ናይ ዘሎ ንብረቱ ምሉእ ሰነዳት ከረክብ ሓቲትዎ ኣሎ።

ኣክባሪ ሕጊ ማንሃታን ሳይረስ ቫንሰ፡ ቤት ጽሕፈቱ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ትካል ናይ ትራምፕ መርመራ ይገብር ምህላዉ ገሊጹ ኣሎ።