ኮሮናቫይረስ፡ ሓላፊ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ 'ምስክር ወረቐት ክታበት' ዝሓዙ ጥራሕ ከተኣናገዱ ኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ሓላፊ፡ እቲ ዓለም ለኸ ኣጋይሽ ብምትእንጋድ ተወዳደሪ ዘይርከቦ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ፡ ምስክር ክታበት ኮቪድ [ኮቪድ ፓስፖርት] ምሓዝ ብነጻነት ንምጉዓዝ ኣማራጺ ዘይብሉ እዩ ኢሉ።
ሓላፊ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ፖል ግሪፊዝ፡ 'ናይ ክታበት ፓስፖርት ካብ ምጥቃም፤ ካልእ ኣማራጺ ዘሎ ኣይመስለንን' ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ነዚ ሓሳብ ዝቃወሙ ግን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክታበት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ሰባት ኣብ ግምት ዘየእተወ ውሳነ እዩ ኢሎም ይነቕፉ።
ይኹን'ምበር እቲ ሓላፊ፡ ዝተኸተብሉ ወረቐት ሒዞም ንዝመጽኡ ሰባት ድጋፍ ከምዘለዎን፡ ንመጻኢ ከምኡ ካብ ምግባር ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ከምዘየለ ይዛረብ።
"ኣነ ከምዝመስለኒ፡ እቲ ጸገም ናይ ምኽታብን ናይ ምግላለን ኣይመስለንን። ቀንዲ እቲ ጸገም፡ እቲ ክታበት ብኸመይ ፍትሓዊ ብኾነ መገዲ ብማዕርነት ምብጻሕ ምተኽኣለ ዝብል እዩ" ኢሉ።
ውድብ ጥዕና ዓለምን ቤት ምኽሪ ተጓዓዝቲ ቱሪዝም ዓለምን፡ ናይ ክታበት ፓስፖርት ካብ ዝቃወሙ ገሊኦም እዮም።
እዞም ዓለም ለኸ ትካላት፤ እዚ ተርእዮ፡ ኣብ ዓለም ክልተ ዓይነት ማሕበረሰብ ዝፈጥር እዩ ኢሎም ይሙግቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም በዓል ሞያ ዝኾነ፡ ዶክተር ማይክ ራያን ፡ 'እዚ ናይ ክታበት ፓስፖርት ዝበሃል ነገር ብርክት ብዝበሉ ናይ ስነ-ምግባርን ማዕርነትን ሕቶታት ዝተኸበበ እዩ' ኢሉ ነይሩ።
"እዚ ጉዳይ ደጊምና ክነጽነዖ ኣለና። ብፍላይ ድማ፡ ክታበት ፍትሓዊ ብዘይኾነ መገዲ ይከፋፈለሉ ኣብ ዘሎ ኣብ'ዚ ሕዚዋን" ኢሉ ዶ/ር ማይክ።
ቁጠባዊ ቅልውላው
ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዓንዲ ሑቑኡ ዝተቖጨመ ኢንዱስትሪ ኣቬሽን፡ ንምትንሳእ ዝተፈላለዩ ስትራተጂታት ሓንጺጹ እናተንቀሳቐሰ ይርክብ።
ኤር ትራንስፖርት ኣክሽን ግሩፕ ዝተብሃለ ትካል ከምዝበሎ፡ እቲ ኡንዱስትሪ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ፡ ኣብ ቑጠባ ዓለም ክሳብ 3.5 ትሪሊየን ዶላር ብጽሒት ነይርዎ።
እንተኾነ፡ ዓለም ለኸ በረራታት ምስ ተኣገዱ፡ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ ሓዊሱ፡ ብዙሓት መገድታት ኣየር ምንቅስቓሶም ተዘሓሒሉ እዩ ዝርክብ።
ከምኡ ኾይኑ'ውን ግን፡ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ፡ ሕዚ'ውን ኣዝዮም ብዙሓት ኣጋይሽ እዩ ዘተኣናግድ።
መገዲ ኣየር ዱባይ፡ ብዙሓት ዓለም ለኸ ተጓዓዝቲ ኣጋይሽ ብምትእንጋድ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘ፡ ኣብ ለንደን ንዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሂዝሮው ኣብ 2014 ብምቕዳም እዩ።
ኣብ 2019፡ ክብረ ወሰን ዝሓዘ ቁጽሪ 86.3 ሚልዮን ሰባት ብምትእንጋድ እትመርሕ ዱባይ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ስዒቡ ግን፡ ኣብ 2020 እቲ ብዝሒ ናብ 25.8 ኣንቆልቊሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
