እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ-19፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘይተጠቐመትሉ ክታበት ንኻልኦት ሃገራት ክወሃብ ተወሲኑ
ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክትጥቀመሉ ዘይከኣለት ክታባት ኮሮናቫይረስ መዓልቱ ከይሓለፎ ከሎ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሕ ከምዝግበር ትካል መድሕን ህጻናት (ዩኒሴፍ) ኣፍሊጡ።
ዩኒሴፍ ከምዝሓበሮ እቲ ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝኽእለሉ ጊዜ ከይሓልፍ ብምስጋእ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክከፋፈል ዝተሓሰ ክታበት ልዕሊ 1.3 ሚልዮን’ዩ።
ትካል ጥዕና ዓለም ብዘተሓባብሮ መስርሕ ፍትሓዊ ክፍፍል ክታበት ኮሮናቫይረስ - ኮቫክስ - ኣቢሉ ናብታ ሃገር ዝበጽሐ እቲ ክታበት ኣብ 24 ሰነ መዓልቲ ከምዝሓልፎ ዩኒሴፍ ገሊጹ።
ናብታ ሃገር ተላኢኹ ካብ ዝነበረ 1.7 ሚልዮን ክታበት እቲ 1.3 ሚልዮን ዛጊድ ኣብ ረብሓ ብዘይምውዓሉ’ዩ መዓልቲ ከይሓልፎ ብዝብል ናብ ካልኦት ክከፋፈል ተወሲኑ ዘሎ.
በዚ መሰረት ከኣ ሰኔጋል፣ ኮሞሮስ፣ጋናን ኣንጎላን እቲ ዝከፋፈል ክታበት ካብ ሞንጎ ዝበጽሐን ሃገራት ከምዝኾና ተፈሊጡ’ሎ።
ኮንጎ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተቐበለቶ ኣስትራዜኔካ ዝበሃል ዓይነት ክታበት ናብ ኣገልግሎት ዘየውዓለትሉ ምኽንያት ምስቲ ሓሓሊፉ ከምዘጋጥም ዝዝረበሉ ዘሎ ምርጋእ ደም ክተሓሓዝ ከምዝኽእል ብምስጋእ’ዩ።
እታ ሃገር ብ19 ሚያዝያ ክታበት ምሃብ’ኳ እንተጀመረት ዛጊድ ግን 1,265 ሰባት ጥራይ ነቲ ክታበት ከምዝወሰዱ ይግለጽ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ዝተረፈ ተጠቃሚ ስኢኑ መዓልቱ ከይሕልፎ ብምሕሳብ’ዩ ናብ ካልኦት ሃገራት ክውሃብ ዝተወሰነ።