ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪ ርያን ጊግስ ብመጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ተኸሲሱ

Published

ናይ ቀደም ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ምንችስተር ዩናይትድን ናይ ሎሚ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዌልስን ዝኾነ ርያን ጊግስ ንኽልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣጥቂዕኻ ብዝብል ክሲ ቀሪብሉ።

ጊግስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ክሊ ዕድመ 20ን 30ን ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ መጥቃዕቲ ፈጺምካለን ብዝብል እዩ ተኸሲሱ። መጻኢ ሮብዕ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ማንቹስተር ዩናይትድን ሳልፎርድን ንኽቐርብ ከኣ ዋሕስ ኣትሒዙ’ሎ።

ወዲ 47 ዓመት ጊጊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን በቲ ዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ። “ንሕጊ ምሉእ ክብሪ ኣለኒ። እቶም ተኸሲሰሎም ዘለኹ ገበናት’ውን ረዘንቲ ከምዝኾኑ ተረዲኤ’የ” ዝበለ ጊግስ ሽሙ ንምንጻህ ድልዊ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዎርስሊ ብዝተፈጠረ ዕግርግር ፖሊስ መጸዋዕታ ከምዝተገበረሉን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ህወከት ድማ ሓንቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 30 እትርከብ ጓል ኣነስተይቲ ጉድኣት በጺሕዋ ናብ ሕክምና ተወሲዳ ከምዝድሓነት ፖሊስ ዘ ግሬትማንቹስተር ሓቢሩ።

ጊግስ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ክሳብ ሕዳር 2020 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ናይ ኣስገዳድ ባህሪ ብምርኣዩ ተኸሲሱ ነይሩ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዌልስ ኣብ ዋንጫ ኣውሮፓ ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዌልስ ዝመርሕ ሓጋዚ ኣሰልጣኒ ናይታ ጋንታ ኮይኑ ዝሰርሕ ሮበርት ፔጅ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

እቲ ናይ ጊግስ ክሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕበር ኮነ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብዛዕባ ክህልዎ ዝኽእል ጸቕጢ ንምዝርራብ ናይ ቦርድ ኣኼባ ከምዝህሉ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።

ጊግስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ንሮበርት ፔጅ፣ ኣሰልጠንትን ደገፍትን ሃገራዊት ጋንታ ዌልስ ብዓወት ንኽዛዘሙ ሰናይ ትምኒተይ’ዩ” ኢሉ።

ንኣስታት 24 ዓመታት ኩዕሶ እግሪ ዝተጻወተ ርያን ጊግስ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ዌልስ 64 ግዜ ተሰሊፉ ተጻዊቱ’ዩ።