'ብዘይ መራሒ' ትሕምበብ ዝነበረት መኪና ተስላ ብዘጋጠማ ሓደጋ ክልተ ሰባት ሞይቶም

ሓዳጋ ዘጋጠማ መኪና ተስላ፡ ቴክሳስ

ምንጪ ስእሊ, Scott J Engle/Reuters

Published

ኣብ ቴክሳስ፡ ብዘይ መራሒ ትሕምበብ ዝነበረት ተስላ ዝዓይነታ መኪና ምስ ገረብ ድሕሪ ምግጫዋ ብምቅጻላ ክልተ ሰባት ሞይቶም።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብ ናይ መራሒ መኪና ስፍራ ዝተቐመጠ ሰብ ከም ዘይነበረ ፖሊስ ሓቢሩ።

እታ ብልዑል ፍጥነት ትጓዓዝ ዝነበረት ናይ 2019 ሞዴል ኤስ ዝዓይነታ ተስላ፡ ኣብ ኩርቫ ብዘይምጥዋያ እያ ምስ ገረብ ተጋጭያ።

እቶም ግዳይ ኮይኖም ዘለው ሰባት ክልቲኦም ኣብ 50ታት ዕድመ ዝርከቡ ኮይኖም፡ እቲ ሓደ ኣብ ቅድሚት ኣብ ናይ ተሳፋሪ መንበር እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ናይ ድሕሪት መንበር እዮም ተረኺቦም።

ኮንስታብል ማርክ ሀርማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ መረዳእታ፡ "ኣብ እዋን ምግጫው ነታ መኪና ዝዝውራ ሰብ ኣይነበረን" ኢሉ።

ቢቢሲ ካብ ቴስላ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን።

እታ መኪና እቲ ተስላ ዘማዕብሎ ዘሎ 'ኣውቶፓይለት' ማለት መኪና ብዘይ ዘዋሪ ትንቀሳቐስ እንተነይራ ኣይተነጸረን ኣሎ።

ብመፍረ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዝፍለጥ ኩባንያ ተስላ ብዘይ መራሒ መኪና ባዕለን ዝዝወራ መካይን ኣብ ምምዕባል ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።

ባዕለን ዝዝወራ መካይን

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ተስላ ኢሎን መስክ፡ ኣብዚ ዓመት "ምሉእ ብምሉእ ባዕለን ዝዝወራ" መካይን ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ተሊሙ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግና ሃገራዊ ምሕደራ ውሕስነት ትራፊክ ኣሜሪካ፡ ኣብ 27 ሓደጋታት መካይን ተስላ መርመራ ጀሚሩ።

ምስ'ዚ ኣብ ዝዛመድ ፍጻመ ብሰኑይ ኣብ ምርኢት መካይን ሻንጋይ ቻይና ሓንቲ ወናኒት ተስላ "ኣብ ልጓም ጸገም ኣሎ" ብዝብል ናይ ተቓውሞ ድምጻ ንምስማዕ ኣብ ልዕሊ መኪና ደዪባ ከም ዝተርኣየት ብሉምበርግ ጸብጺቡ።

እተን ሞዴል ኤስ ዝዓይነተን መካይን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ባርዕ ኣጋጢምወን እዩ።

ኣብ 2018 ሚካኤል ሞሪስ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ናይ ቴለቪዥን ዳይሬክተር ዝዝውራ ዝነበረ ተስላ ክትቃጸል እንከላ፤ ኣብ 2016 እውን ኣብ ፈረንሳ ሞዴል ስ ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢምዋ እዩ።

ኣብ 2013 ብርክት ዝበላ ተስላ ሞዴል ኤስ ባርዕ ኣጋጢምወን እዩ።