ሱፐር ሊግ፡ ሽዱሽተ ዓበይቲ ክለባት ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ሱፐር ሊግ ክሳተፋ ተሰማሚዐን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣርሰናል፣ ቼልሲ፣ ማንቸስተርዩናይትድ፣ ማንቸስተር ሲቲ፣ ሊቨርፑልን ቶተንሃምን ኣብ ሱፐር ሊግ ክሳተፋ ምዃነን ገሊጸን።
እዚ ንውድድር ኵዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ነቅነቅ ዘበለ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ውሳነ፡ ካብ ዓዲ ጣልያን'ውን ጋንታታት ኤሲሚላን፣ ኢንተር ሚላንን ጁቬንቱስን ኣብቲ ሊግ ክሳተፋ ምዃነን ገሊጸን ኣለዋ።
ኣብ ስጳኛ'ውን ሪያል ማድሪድ፣ ባርሲሎናን ኣትሌቲኮ ማድሪድን ነዚ ውድድር ከም ዝተጸንበረኦ ኣፍሊጠን።
እዚ ሱፐር ሊግ ተሰምዩ ዘሎ ሓድሽ ውድድር ጋንታታት ኤውሮጳ ኣብ ፍርቂ ሰሙን ንሓድሕደን እናተዓዳደማ ዘካይድኦ ውድድር እዩ ክኸውን።
እዚ ክገብራ እንከለዋ ግን እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገረን ዘካይድኦ ናይ ሊግ ውድድር ብዘይጸሉ እዩ መደብ ክስርዓሉ።
ኣወሃሃድቲ ሱፐር ሊግ ኣብ ዘውጽእዎ መግልጺ "እቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ ናብ ተግባር ምስ ተሰጋገረ፡ እቲ ውድድር ሽዑን ንሽዑ ክጅምር እዩ። ብሕጂ ሰለስተ ጋንታታት ነዚ ውድድር ክጽንበረኦ'ውን ትጽቢት ኣለና" ኢሎም።
ኣቶም ኣወሃሃድቲ ብምስዓብ፡ ሱፐር ሊግ ደቂ ተባዕትዩ ምስ ጀመረ ናይ ደቂ ኣንስትዩ ውድድር'ውን ምዃኑ ሓቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትማሊ ሰንበት ውድድር ሱፐር ሊግ ክጅምር ምኳኑ ዝገልጽ ዜና ምስ ተሰመዐ፡ ቀዳማይ ሚኒሰትር ዓባይ ብርጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ፈደሬሽን ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳን ፕሪሜየር ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝን ነቲ ውጥን ሱፐር ሊግ ኮኒነሞ።
ፊፋ ብወገኑ ነቲ ውድድር ኣፍልጦ ከም ዘይህቦ ብምግላጽ ኣብ ሱፐር ሊግ ዝወዳደሩ ተጻወትቲ ኣብ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ካብ ምስታፍ ክኽልከሉ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።
ዜና ውጥን ሱፐር ሊግ ምስ ተሰመዐን ነቲ ውድድር ዓበይቲ ክለባት ኣውሮጳ ከም ዝጽንበረኦ ምስ ኣፍለጣን ፊፋ "ናብዚ ውሳነ እዚ ዝበጽሓ ክለባት ምእንቲ ኵዕሶ እግሪ ተባሂሉ ንኹሉ ዝጠቅም ዘተ ክገብራ ይግባእ" ኢሉ ኣሎ።
ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብወገኑ፡ ኣብ ሱፐረ ሊግ ዝሳተፉ ተጻወትቲ ካብ ሃገራት ጋንትኦም ክእገዱ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።
መስረትቲ ሱፐር ሊግ ብወገኖም "እተን ነዚ ውድድር ዝምስርታ ዘለዋ ክለባት ኣብ መጻኢ ምስ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳን ፊፋን ብሓባር ዝሰርሓሉ መንገዲ ምይይጥ ክካየደሉ እዩ" ኢሎም።
እቲ ሊግ 20 ጋንታታት ዝሳተፋሉ ኮይኑ፡ 12 መስረትቲ ጋንታታትን ክሳብ ሕጂ ስመን ዘይተገለጸ ሰለስተ ክለባት ተጸንቢረንኦ።
በቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን፡ ውድድር ሱፐር ሊግ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝጅምር ኮይኑ እተን 20 ተሳተፍቲ ጋንታታት ኣብ ክልተ ምድብ ተኸፋፊለን እየን ኣብ ሜድአንን ካብ ሜድን ወጻእን ብዝገብርኦ ግጥማት ናብ መዛዘሚ ክበጽሓ።
ኣብ ሓደ ምድብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኮይነን ውድድረን ዝዛዘማ ክለባት ንርብዒ ፍጻመ ክሓልፋ እንከለዋ ኣብ ክልቲኡ ምድብ ራብዓይን ሓሙሻይን ዝወጽኣ ጋንታታት ከኣ ንሓድሕደን ተጋጢመን ክልተ ዝስዓራ ጋንታታት ምስተን ኣቐዲምን ናብ ርብዒ ፍጻመ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ጋንታትተ ተጸንቢረን ናብ ርብዒ ፍጻመ ይሓልፋ።
ኣዳለውቲ ሱፐር ሊግ ከም ዝገልጽዎ ዘለዉ እንተኾይኑ እዚ ሓዲሽ ሱፐር ሊግ ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ውድድር ውዳብኡ ልዕሊ ሻምፕዮንስ ሊግ ምዃኑን ተሳተፍቲ ክለባት ልዕሊ ናይ ሻምፕዮንስ ሊግ ገንዘብ ተሰሊዑለን ከም ዘሎ ይገልጹ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
