ፖሊስ ስፐይን፡ ኣባላት ካብ ሞሮኮ ናብ ስፐይን መዐወኒ እጽ ዘዘዋወር ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኣብ ጀልባ ዝተሰቐሉ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Spanish Civil Guard

Published

ፖሊስ ስፐይን ቅልጡፋት ጀላቡ ተጠቒሞም ካብ ሞሮኮ ናብ ስፐይን መዐወኒ ሓሽሻት ከዘዋውሩ ረኺበዮም ንዝበሎም 100 ጥርጡራት ኣባላት ሓደ ኣዘዋዋሪ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎም ኣፍሊጡ።

ብሸነኽ ደቡባዊ ስፐይንን ፈረንሳን ብዝተገበረ ዳህሳስ ልዕሊ 5 ሽሕ ኪ.ግራም ካናቢስ ተረኺቡ።

መጸውዒ ሽም ናይቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ሞንፓርሌት ከምዝኾነ ናይታ ሃገር ሓለዋ ሲቪልያን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት ነቶም ዘጎዓዕዝዎም መዐወኒ ንጥረ ነገራት ብውሽጢ እቲ ኣብ ስፐይን ዝርከብ ሩባ ጓዳሊኩቭር ድሕሪ ምውጻእ ናብ ፈረንሳይ ድማ ምስ ኣትክልቲ ሓዊሶም ብመኪና ከምዘግዕዝዎም ተገሊጹ።

ኣስዒቦም ኣብ መላእ ኣውሮፓ ንዘለዉ ዓማዊሎም ከምዘከፋፍልዎም’ዩ ዝግለጽ።

ሓበሬታ ፖሊስ ስፐይን ከምዘመላኽቶ፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ኪ.ግራም ሓሽሽን 230 ኪ.ግራም ማሪዋናን ዝተረኸበ ኮይኑ እቲ ጉጅለ ኣዝዩ ዝተወደበን ነቶም ዘካይዶም ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምፍጻም ዘኽእሎ ዝተማልአ ናውቲ ዝወነነ’ዩ።

እተን መዕወኒ ንጥረ ነገራት ንምጉዕዓዝ ዝጥቆሙለን ጀላቡ እንከይተረፈ ነዳዲኤን መሊኡ ንጉዕዞ ድልዊ ዝገብር ውፉይ ጉጅለ ከምዝነበሮ ፖሊስ ሓቢሩ።

ፖሊስ ኣወዳድባ ናይቲ መርበብ እንተረድእ “ሓደ ጨንፈር ናይቲ ጉጅለ ጀላቡ ኣብ ሩባ ጓዳሊኩቭር የዋፍር፣ እቲ ካልአዋይ ኣብ ዶስ ሄርማናስ ካብ ዝርከብ መኻዚኖ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ዘከፋፍል ኮይኑ እቲ ሳልሰዋይ ድማ ንዝጎደሉ ነገራት ናይ ምምላእ ስራሕ ኣለዎ” ኢሉ።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንኻልኦት ናይ ገበን ጉጅለታት መግብን ነዳድን ብምቕራብ ክሲ ዘቐረበሉ ኮይኑ ፖሊስ ኣብ ዘካየዶ ፍተሻ ካልኦት ናይ ዕጥቅን መራኸብታትን መሳርሕታት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።