ቅልውላው ትግራይ: ናብ መቐለ ዝግበር ንግዳዊ በረራታት ዳግም ተጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተቛሪጹ ዝቐነየ ናብ ከተማ መቐለ ዝግበር በረራታት ካብ ትማሊ ረቡዕ ኣትሒዙ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ናብታ ከተማ በረራታት ከምዘካየደ ምንጭታት እቲ መገዲ ኣየር ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ንጽባሕ ዓርቢ'ውን ሰለስተ በረራታት ከካይድ መደብ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ክልል ዝተወልዐ ኲናት፡ በረራታት ኣየር ንነዊሕ እዋን ተኣጊዱ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 14 ታሕሳስ ጀሚሩ ንበረራታት ውሽጢ ዓድን ወጻኢን ከምዝተኸፍተ ብዓልመዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ነይሩ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ግን ሃንደበት መሊሱ ተቛሪጹ ጸኒሑ።
ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት መብራህቲ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ'ውን ብዓልመዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ምቁራጽ ኣብ ልዕሊ መስመር ሓይሊ ኤለክትሪክ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ ምዃኑ እቲ ትካል ሓቢሩ።
እንተኾነ ግን ገለ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይቲ ክልል ዝርከባ ከተማታት ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት መብራህቲ ከምዘይረኸባን፡ መስመራት ንምዕራይ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ ይቕጽል ምህላዉን ሰብመዚ ናይቲ ትካል ይገልጹ።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዝተወለዐ ኲናት፡ ንነዊሕ እዋን ኣገልግሎታት መብራህቲ፡ ቴለፎንን ኢንተርነትን ኣቋሪጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Electric Power
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ግን ኣገልግሎት ቴለፎን ብኸፊል ስለዝጀመረ፡ ብዛዕባ'ቲ ክሳብ ሕጂ ዘየተወድአ ቅልውላዉ ሓበሬታታት ክወጽእ ጀሚሩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት መስመራት ቴለፎን ይሰርሕ'ኳ እንተሎ፡ ካልኦት ከባቢታት ካብ ርክብ ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ። ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ድሃይ ቤተሰቦም ክረኽቡ ኣይካኣሉን ዘለዉ።
ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ምድሪ'ውን ብኸፊል ካብን ናብን እቲ ክልል ይኹን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ተፈቒዱ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ፈለማ ናይቲ ብ3 ሕዳር ዝተወልዐ ግጭት፡ እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስትን ፈደራላዊ መንግስትን ኣብቲ ክልል ህጹጽ እዋን ኣዊጆም ምንባሮም ይዝከር። ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ዝተወሰነ ኣዋጅ ጸኒዑ ይርከብ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
