ኣብ ትግራይ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሓይሊ ኤለክትሪክ ሎሚ ዳግም ተመሊሱ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Electric Power
ኣብ ትግራይ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት መብራህቲ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ብዓልመዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ብሰንኪ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ተበቲኹ ዝነበረ መስመር ኤለክትሪክ ብምጽጋን እተን ጸልሚተን ዝጸንሓ ከተማታት ትግራይ ብርሃን ከምዝረኸባ ገሊጹ።
"እቲ ነቲ መስመር ንምጽጋን ንመዓልታት ዝቐጸለ ጻዕርታት ብምዝዛሙ፡ እተን ቅድሚ ሕጂ ኤለክትሪክ ክረኽባ ዝጸንሓ ከተማታት፡ ሎሚ ሰዓት 4፡20 ድ.ቀ ጀሚረን ኤለክትሪክ ክረኽባ ኪኢለን ኣለዋ" ኢሉ።
እንተኾነ ግን ገለ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይቲ ክልል ዝርከባ ከተማታት ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት መብራህቲ ከምዘይረኸባ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ'ሎ።
"ነተን ኣብ ወልቃይትን ከባቢኡን ዝርከባ ከተማታት ንምርኻብ ዝተጀመረ ጻዕሪ ሕጂ'ውን ቀጺሉ'ሎ" ይብል እቲ መግለጺ።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዝተወለዐ ኲናት፡ ንነዊሕ እዋን ኣገልግሎታት መብራህቲ፡ ቴለፎንን ኢንተርነትን ኣቋሪጹ ምንባሩ ይፍለጥ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ካብ 16 ለካቲት ጀሚሩ፡ ኣብ ምሉእ ክልል ትግራይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምዝተቛረጸ ብዓልመዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ገሊጹ ነይሩ።
ጠንቂ ናይቲ ምቁራጽ ኣብ ልዕሊ'ቲ ካብ ኣላማጣ-መኾኒ-መቐለ ዝዝርጋሕ መስመር መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
እቲ ኣብ ከባቢ ዓዲጉደም ዝተባህለ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ በቶም "ተረፍመረፍ ጁንታ" ዝበሎም ሓይልታት ህወሓት ዝተኻየደ ምዃኑ እቲ ትካል ይኸስስ።
ይኹን እምበር ብወገን ሓይልታት ህወሓት ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ብናጻ ኣካል'ውን ኣይተረጋገጸን።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
