መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራታት መቐለ-ኣዲስ ኣበባ ሰሪዙ

ተጉዓዝቲ
Published

ብሰንኪ ጣቓ (ሓያል ዶሮና) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ትማልን ሎምን ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ-መቐለ ዝግበሩ በረራታት ሰሪዙ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ 'ብሰንኪ ዘጸግም ኩነታት ኣየር' ካብን ናብን መቐለ፣ ላልይበላ፣ ጎንደር፣ ኣኽሱምን ሽረን ዝግበሩ በረራታት ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብ ትግራይ ኣብዞም ሰለስተ መዓልታት፡ ዘይልሙድ ሓያል ጣቓ ተራእዩ ከምዘሎ ኣብ መቐለ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ተዓዚቡ።

መቐለ

ብተመሳሳሊ ኣብ ሽረ፡ ኣኽሱምን ሑመራን እውን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣትሒዙ በረራታት ተሰሪዙ ከምዘሎ ተጉዓዝቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ገለ ካብቶም ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር በረራ ዝተሰረዞም ተጉዓዝቲ፡ ንህጹጽ ስራሕ ብመኪና ከምዝጓዓዙ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሚቲዎሮሎጂ ዝርከብ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር፡ እቲ ዝተቛረጸ በረራታት ክቕጽል ከምዝግበር እቲ መገዲ ኣየር ይገልጽ።

እንተኾነ፡ እቲ በረራታት ዝዓንቀፈ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣየር፡ ንክልተ መዓልታት ክቕጽል ከምዝኽእል ሃገራዊ ኣገልግሎት ሚቲዎሮሎጂ ሓቢሩ'ሎ።