ውድብ ጥዕና ዓለም: ታንዛንያ ብዛዕባ ኮቪድ ጸብጻባ ከተቕርብ ተማሕጺኑ

ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ካብታ ሃገር ናብ ካልእ ሃገራት ዝገሹ ታንዛንያውያን እቲ ቫይረስ ይርከቦም ስለዘሎ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠነ መልከፍቲ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓበሬታ ከይሃቡ ክፍለጥ ስለዘይክኣል ቀልጢፎም ጸብጻቦም ከቅርቡ ተማሕጺኑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ካብታ ሃገር ናብ ካልእ ሃገራት ዝገሹ ታንዛንያውያን እቲ ቫይረስ ይርከቦም ስለዘሎ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠነ መልከፍቲ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓበሬታ ከይሃቡ ክፍለጥ ስለዘይክኣል ቀልጢፎም ጸብጻቦም ከቅርቡ ተማሕጺኑ።
Published

ታንዛንያ፡ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱን ዝተለኸፉን ጸብጻብ ከተቅርብ ውድብ ጥዕና ዓለም ተማሕጺኑ።

ታንዛንያ ሓንቲ ካብተን ብዛዕባ ኮቪድ 19 ናብ ውድብ ጥዕና ዓለም ጸብጻብ ዘየቕርባ ውሑዳት ሃገራት እያ።

እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ግንቦት 2020፡ 500 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉን 20 ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ከምዘለውዋ ምስ ሓበረት፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ጆን ማጉፉሊ ድሕሪ ሓደ ወርሒ (ሰነ 2020) እታ ሃገር ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ከምዝኾነትን ዝኾነ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከምዘይብላን ንህዝቢ ዓለም ገሊጹ።

እንተኾነ ዘይተሓበረ ኮይኑ'ምበር እቲ ቫይረስ ኣብታ ሃገር ከምዘሎን ህዝቢ ይጥቃዕ ከምዘሎን ስግኣታት ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ሰብ መዚ ብተደጋጋሚ ክሞቱ ምስ ጀመሩ እዩ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እታ ሃገር ጸብጻባ ከተቕርብ ዝምሕጸና ዘሎ።

ምክትል ፕረዚደንት ሓውሲ ነጻ ሃገር ዝኾነት ደሴት ዛንዚባር ሰይፍ ሻሪፍ ሓማድ ብረቡዕ ድሕሪ ምማቱ፡ ኣባላት ሰልፉ ብኮቪድ 19 ከምዝሞተ ምግላጾም'ውን ይዝከር።

ንሱ ቅድሚ ምማቱ'ውን ብግልጺ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ማሕበራዊ ድሕነት እታ ሃገር ጆን ኪጃዚ'ውን ብረቡዕ ሞይቱ እዩ፡ እንተኾነ ጠንቂ ሞቱ እንታይ ምዃኑ ኣይተገለጸን።

ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "በቶም ኣብ ታንዛንያ ዝሞቱ ዝተሰማዓኒ ሓዝን ክገልጽ ይፈቱ" ድሕሪ ምባል ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ሓበሬታ ክህቡ ንዝምልከቶም ሰብ መዚ እታ ሃገር ተማሓጺኑ።

ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ካብታ ሃገር ናብ ካልእ ሃገራት ዝገሹ ታንዛንያውያን እቲ ቫይረስ ይርከቦም ስለዘሎ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠነ መልከፍቲ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓበሬታ ከይሃቡ ክፍለጥ ስለዘይክኣል ቀልጢፎም ጸብጻቦም ከቅርቡ ተማሕጺኑ።

ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ኣቀዲሙ ነቲ ቫይረስ ብምንእኣስ ነቲ ቫይረስ ደው ንኸብል ኢሉ ዝኾነ ንጥፈታት ደው ከምዘየብል ምግላጹ ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ንሱን ህዝቡን ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዘየድልዮም ኣዊጁ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ፕረዚደንት ብዓርቢ ኣብ ቀብሪ ጆን ኪጃዚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ታንዛንያ ኣትዩ ምሃላውን ሰባት የጥቅዕ ምህላውን ተኣሚኑ እዩ።

ንሱ ኣብ መደርኡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ታንዛንያ ንኮሮናቫይረስ ስዒራቶ እያ ኣብዚ ዓመት ኸኣ ክትስዕሮ እያ" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰንበት'ውን ህዝቢ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክንቀሳቀስ እንከሎ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም ተማሕጺኑ ኣሎ።

ንሱ ብምስዓብ፡ እቲ ካብ ደገ ዝመጽእ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ መርትዖ ከየቕረበ ድሕነቱ ዝተሓለወ ኣይኮነን ብምባል፡ ህዝቡ ኣብ ውሽጢ ዓዱ ዝፈረየ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም ተላብዩ።